ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ብተከታታሊ ን 6 ኣዋርሕ ዝፀንሓ 8 ሰባት ዝሕዛ 6ተ ሃርድቶፓት መካይን ኣብ ዝተፈላለየ ሆስፒታላት ግልጋሎት ዝህባ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክካረ ይደሊ ስለዝደሊ ንተወዳደርቲ ይዕድም

ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቋሒ ታት

  1. ናይ 2008 ዓም ናይ ፍቃድ ንግዲ Â ዘሐደሱን ናይ መቅረባየነት ምዝገባ Â ዘሐደሱን መረዳእታ ዘቅርቡ
  2. ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2008 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉን ከምኡዉን ቲን ነምበር ወይ መለለዩ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ከቅርቡ ዝክእሉ
  3. እዘንመካይን ኩሉን ሊብረን ኢንሹራንስን ክህልወን ይግባእ
  4. ነዘን መካይን ዘድሊ ወፃእታት ብዘይካ ነዳዲ ኩሉ ዓይነት ወፃኢ ተጫራታይ ባዕሉ ዝሽፍን
  5. ተጫራታይ እዘን መካይን ግልጋሎት እናሃባ ኣብ ከይዲ እንተተባላሺወን ሹዑንሹዑ ተመሳሳሊ ግልግሎት ትህብ መኪና ንክቅይር ቅዴታ አለዎ
  6. መዐደጊ ሰነድ ጨረታ 50 ቅርሺ ብመክፋል እቲ ጨረታ ካብ ዕለት 7 ለካቲትÂ 2008 ዓም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 24 ለካቲት 2008 ዓም ሰዓት 3፡ 30 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ አየር ዝፀንሕ ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ ድማ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4፡ 00 ቅድሚ ቀትሪ ይከዉን
  7. ሰነድ ጨረታ ፋይናንሻል ዋናን ቅዳሕ ብሽምዒ ዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ተዳሊዩ ነዚ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ዕደጋ ክፍሊ ቢሮ ቁፅሪ 42ኣብ ስራሕ ሰዓት ምእታዉ ይከኣል
  8. መክበሪ ጨረታ ብሲፒኦ መልክዕ 15, 000 ቅርሺ ሒዝኩም ክትቀርቡ ይግባእ
  9. ጨረታ ኣብ ዝክፈተሉ ዕለትን ሰዓትን ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም እንተተረከቡ ይምረፅ
  10. እቲ ቢሮ ኣብዚ ጨረታ 20% ክውስክ ወይ ክንኪ ይክእል እዩ
  11. ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ዝሓሸ ኣመራፂÂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
  12. ሰነድ ጨረታ ኣታዊ ዝግበረሉ ቦታ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ቀበሌ 03 መቐለ

ንተወሳኪ ሓበሬታÂ ብቁፅሪ ስልኪ 0914733312 /0914762579 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo