ድምፂ ወያነ ትግራይ ሓለፍነቱ ዝተወሰነ ዉልቀ ማሕበር ካብዚ ንታሕቲ ዘለዉ ንብረታት ማለት እዉን ፣ ኮምፒተር ኮር ኣይ ሰቨን በዝሒ 02 ፣ HP ላፕቶፕ ኮር ኣይ ሰቨን በዝሒ 01 ፣ ታፕሌት ሞባይል በዝሒ 2 ፣ ፎቶ ኮፒ ማሽን በዝሒ 01 ፣ ፕሪንተር በዝሒ 01 ፣ ዩፒኤስ 1500 ቮልት ኣምቢር 1700ዋት 220 ቮልት 50 ሀርዝ በዝሒ5 ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ድምፂ ወያነ ትግራይ ሓ/ዝ/ው/ማሕበር

1 ናይ 2012ዓ/ም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሱን ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮኑን ናይ ወርሒ መጋቢት 2012ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጡሉ መረዳእታ ቅዳሕ ከቅርቡ ዝክእሉ

2 ዉሕስና ጨረታ 10% ብመልክዕ ብስፒኦ ወይ ድማ ካብ ባንኪ ብዝተወሃበ ዝተረጋገፀ ቼክ ከቅርቡ ዝክእሉ

3 ሰነድ ጨረታ ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ካብ 04/10/2012ዓ/ም ጀሚሩ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ዋና ክፍሊ ፋይናንስ ቢሮ ቁፅሪ 308 ክትወስዱ ትክእሉ

4 ሰነድ ጨረታ ፋይናንሻልን ቴክኒካልን መሊኢኩም ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ቢሮ ቁፅሪ 409 ከተቅርቡ እትክእሉ

5 እዚ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 04/10/2012ዓ/ም ጀሚሩ ን 10 ተከታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ዝፀንሕ ኮይኑ 16/10/2012ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኮልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ 4ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 404 ይክፈት

6 ሰዓራይ ምስተፈለጠ ዉዕሊ አሲሩ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልታት ብናይ ባዕሉ መጋዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ድምፂ ወያነ ትግራይ ከረክብ አለዎ

7 እቲ ቤት ዕዮ ነቲ ጨረታ ብክፋል ወይ ድማ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 03 44 41 05 44 /03 44 41 05 46

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo