ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ ንመሳርሒ ፅሕፈት፣ አቁሑት ፅሬት፣ መሳርሒ ህንፃ ፣አቁሑት ኤለክትሮኒክስ ፣ቼክዳማት ንምስራሕ ፣አቁሑት ቢሮን ገዛን ምቅራብን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቋሕታት

  1.  ሕጋዉን ነናይ ባዕሎም ዘፈር ሕጋዊ ንግዲ ፈቃድን ቲን ናምበርን ዘለዎም ናይ 2008 ዓም ዘሐደሱ
  2.  ተጫረቲ ኣብ መቅረባይነት ዝርዝር ዝተመዝገቡ ናይ 2008 ዓም ዘሐደሱ
  3.  ተጫረቲ ቫት ምዝጉባት ኮይኖም ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2008 ዓ/ም ደክለር ዝገበርሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ
  4.  ተጫረቲ ኣብ ዘቅርብዎ ዋጋ ቫት ሓዊሱ ክከዉን አለዎ
  5.   ተጫረቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ከምኡ እዉን ዝተማልአ ደከመንት ኣብ ዘቅረብሉ ይኽፈት
  6.  ጨረታ መከበሪ ንመሳርሒ ፅሕፈት 4000 ቅርሺ ፣ንአቁሑት ፅሬት 2000 ቅርሺ ፣ንህንፃ መሳርሒ 3000 ቅርሺ፣ ንኤለክትሮኒክስ 4000 ቅርሺ፣ ቼክዳማት ንምስራሕ 5000 ቅርሺ፣  ፍልፍል ምጉልባት 5000 ቅርሺ ፣አቁሑት ቢሮን ገዛን ንምቅራብ 2000 ቅርሺ ብጥረገንዘብ ወይ ብሲፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉ
  7.  ተጫረቲ ናይ ቼክዳማት ምስራሕ ደረጃ 7ን 8ን ፍቃድ ዘለዎም
  8.  ተጫረቲ ናይ ማይ ፍልፍል ምጉልባት ደረጃ 8ን ልዕሊኡን
  9.  እቲ ጨረታ ብዝተፈላለዩ ምክንያት ከዛብዑ ዝፍትኑ ተጫረቲ እቲ ቤት ፅሕፈት ካብ ጨረታ ወፃአ ገየሩ ዘትሓዝዎም ትሕጃ ናብ መንግስት ካዝና አታዊ ብምግባር ንቀፃሊ ከይሳተፍ ይገብር
  10.  ተጫረቲ ድሕሪ እቲ ናይ ጨረታ ሳጥን ምክፋቱ ጨረታ ኣይሳተፍን ምባል ኣይፍቀድን ከምኡ ንዝበለ ዘትሐዞ ትሕጃ ኣይምለሰሎምን
  11.  ተጫረቲ ኣብ ዘቅረብዎ ሰነድ ሽምን ፊርማን ማህተምን ከስፍሩ አለዎም
  12.  ተጫረቲ አብ ዘቅረብዎ ደኩመንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ክኸዉን አለዎ
  13.   ተጫረቲ ዘቅረብዎ ደኩመንት ኦርጅናልን ፎቶ ኮፒን ነንበይኑ ዓሺጎም ኦርጅናልን ኮፒን ተባሂሉ ኣብ ዝባኑ ይፀሓፍ
  14.  ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ን 45 መዓልቲ ይኸዉን
  15.  ሰነድ ዝሽየጠሉ ኣብ ወረዳ ኣ/ወንበርታ ከይዲ /ስራሕ /ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳር ኮይኑ ናይ ዋጋ ሰነድ 50 ቅርሺ ጥራሕ ይከዉን
  16.  ጨረታ ዝዕፀወሉ 8 ለካቲት 2008 ዓም በቲ ተጠቂሱ ዘሎ ዕለት ሰዓት 5፡ 00 ተዓሺጉ ሰዓት 5፡30 ይክፈት
  17.  እቲ ቤት ፅሕፈት ካሊእ መማረፂ እንተረኪቡ ብክፈል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo