ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ናይ አናእሽተይ መካይን ጎማ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግን ስለዝደሊ ዝስዕብ ረቀሒ እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም

ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ
  1. ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም
  2. መረዳእታ መቅረባይነት ዝሓዘን መለለዩ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ከቅርብ ዝክእልን
  3. ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2008 ዓ ም ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
  4. ሰነደ ጨረታ ንሕድሕድ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 12 ምዉሳድ ይከኣል
  5. ጨረታ ብድምፂ ወያነ ትግራይ ካብ ዝተጋወሐሉ ጀሚሩ ክሳብ ለካቲት 7 2008 ዓ ም ዝሽየጥ እንትከዉን 7 ለካቲት 2008 ዓ ም ሰዓት 8፡ 45 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊያን ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ሰዓት 9 ፡00 ይክፈት
  6. ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ክሳብ ዕለት 7 ለካቲት 2008 ዓም ሰዓት 8 ፡30 ኣብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቀዳማይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 12 ኣብ ዝተዳለወ  ጨረታ ሳንዱቅ ምእታዉ ይከኣል
  7. መክበሪ ጨረታ 5,000 ቅርሺ  ብሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል
  8. ተጨረታ ሰዓራይ ምካኑ ብደብዳቤ ካብ ዝተገለፀሉ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ይግባእ
  9. ዝኮነ ተጫራታይ ብዝዓባ እቲ ጨረታ ሰነድን ካልእ መብራህርሂ ዘድልዮ እንተኮይኑ ብፅሑፍ ጥራይ ምሕታት ይክእል
  10. ጨረታ ሰዓራይ ንብረት ኣታዊ ዝገብረሉ ኣብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ንብረት ክፍሊ ኮይኑ እቲ ንብረት ድማ ፅሬቱ ብባዓል ሞያ እቲ ቢሮ ክረጋገፅ ይግባእ
  11. እቲ ቢሮ ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብ ቁፅርታት ስልኪ 0344403477 ወይድማ 0344408299 ብምድዋል ይኩን ብኣካል ብምቅራብ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo