ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ዘገልገለ ንብረት ናይ መኪና ጎማ ፣ ፕሪንተር፣ ኮምፒተር ፣ ምስ ሙሉእ ኣክሰሪኡ ፣ ናይ ጋሻ ወንበር ፣ ተሽከርካሪ ወንበርን ፣ ሴክሪታ ወንበር ፣ ባትሪ ናይ መኪና ፣ ካላማደርያ ዝተፈላለየ ሓጭን መጭን አወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ ስለዚ ካብዚ ንታሕቲ ዝተረርዘሩ ረቃሕታት እተማልኡ ንክትጫረቱ ይዕድም

ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ

1 ተመሊኡ ብፖስታ ተዓሺጉ ንዕኡ ተባሂሉ ኣብ ደ/ከ/ስ/ዕደ/ፋይ/ንብ/ምም/ር ቢሮ ቁፅሪ 08 ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ ዕለት 28/07/2012ዓ/ም ሰዓት 8፡00 ዘእትዉ

2 ዋጋ ዝመልእሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ደ/ከ/ስ/ዕ/ን/ምም/ር ሒሳብ ክፍሊ ዘይምለስ ብር 10 ብምኽፋል ካብ ዕለት 27/09/2012ዓ/ም ክሳብ ዕለት 11/10/2012ዓ/ም ኣብ ተከታታሊ መዓልቲ ምዉሳድ ይከኣል

3 ናይ ጨረታ መኸበሪ ቢድ ቦንድ 1000.00 ብሽም ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ብዝተረጋገፀ ስፒኦ ኣብ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት ከትሕዝ አለዎ

4 እቲ ጨረታ ዕለት 11/10/2012ዓ/ም ሰዓት 8፡00 ተዓሺጉ  በቲ ዕለት ዋና ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዘለዉሉ ልክዕ ሰዓት 8፡30 ይክፈት መቅረብቲ ብናይ ባዕሎም ድልየት ተዘይተረኪቦም እቲ ቤት ፅሕፈት ጨረታ ፖስታ ንምኽፋት መሰሉ ዝተሓለወ እዩ ብተመሳሳሊ ናይ ጨረታ ዶክመንት ኦርጅናልን ፎቶ ኮፒ ነንበይኑ ክቀርብ ኣለዎ

5 ጨረታ ሰዓራይ ምኻኑ ምስተፈለጠ ኣብ ዉሽጢ 2 መዓልቲ ናይ ዝሰዓርዎ ንብረት ገንዘብ ኣታዊ ክገብሩ ኣለዎም

6 ብመሰረት ዝእተዉዎ ዉዕሊ ብዝድለ ፅሬት ኣብ ዝተደለየ ግዜ እንተዘይፈፂሞም ተሓታቲ ከም ዝኮነ ክፈልጡ ይግባእ

7 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዜ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 15 ማዓልቲ ጥራሕ እዩ

8ተጫረቲ ናይ ዝሰዓርዎ ንብረት ኣታዊ ምስገበሩ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርትን ጉልበትን እቲ ንብረት ከልዕሉ ይግባእ ኮይኑ ግና ኣብ ዝተመደበሎም ግዜ እንተዘየኣልዒሎም በብ ዕለቱ 1/1000 ብር በብመዓልቱ ካብቲ ዝተሰዓረ ጠቕላላ ዉዕሊ መኸበሪ ዝከፍል ምኻኑ ነፍልጥ

9 ኣብ ጨረታ ዘሸነፈ ተጫረቲ ዉዕሊ ክኣስሩ ኣብ ዝተወሃቦም ግዜ ገደብ ዉሽጢ ቀሪቦም ናይ ዘሸነፍዎ ንብረት 2 መኢታዊ ናይ ጨረታ ዉዕሊ መኸበሪ ንምሓዝ ዉዕሊ ምእሳር ግብእ ኣለዎም

10 ቤት ፅሕፈትና ዝሓ ኣማራፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

11 ንዘድሊ ሓበሬታ 03 44 41 65 70 ሓድሽ ህንፃ ፊት ንፊት ርእሰ ምምሕዳር ክ/ትግራይ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo