ትካልና ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ አደዳይ ንቐፃሊ ሓሙሽተ ዓመት ዘገልግል ትልሚ ስትራተጅክ / strategic plan) ንምድላዉ ኣብቲ ስራሕ ንዝተሰማረዩ ስራሕ ልምዲ ዘለዎምን ሕጋዊ ፈቃድ ዘለዎምን ተጫረቲ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ በዚ መሰረት ነዞም ዝስዕቡ ረቃሕታት እተማልኡ ተጫረቲ ክትወዳደሩ ይዕድም

አደዳይ ማይክሮ ፋይናንስ ሓ/ዝ/ወ/ማ

1 ናይ 2012ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ፣ ተወሳኪ እሴት ታክስ ቫት ፣ ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፀሪ ቲን ፣ ናይ መቕረባይነት ሰርተፊኬት ናይ ወርሒ ለካቲት ተወሳኺ እሴት ታክስ ቫት ፀብፃብ መረዳእታ ዘቕርብ

2 ተደላይ ትምህርትን ስራሕ ልምድን  ተጫራታይ ስትራቴጂክ ፕላን ብምድላዉ 10 ዓመትን ልዕሊኡን ኣብ ማይክሮ ፋይናንስን ዝተፈላለዩ ፋይናንሻል ሴክተርን ልምዲ ስራሕ ዘለኩም  50% ልዕሊኡን ዘቕርብዎ ሰብ ሙያ ብኢኮነሚክስ ፣ አተሓሕዛ ሒሳብ ፣ ስታቲክስ ማናጅመንት ካልኦት ተመሳሳሊ ትምህርቲ ትምህርቲ ዓይነት ዝተመረቁን ልዕሊ 5 ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ ስራሕቲ ልምዲ ዝሰርሑ ምኻኖም ምስክር ወረቀት ክተቕርቡ ትክእሉ ምኻንኩም

3 ተጫረቲ ጨረታ መኸበሪ ዉሕስና 10 ሚኢታዊት ከትሕዝ ዝኽእልን ንዝሰዓሮ ጨረታ 10 ሚኢታዊ ዉዕሊ ዉሕስና መኸበሪ ብጥረ ገንዘብ ወይ ሕጋዊ ብዝኾነ ባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዝ ዝኽእል

4 ጨረታ ሰነድ ዝሽየጠሉ ካብ ዕለት 01/06/2020 ኣ.ፈ /24/09/2012ዓ/ም/ ጀሚሩ ኣብ ሓባራዊ ሀንፃ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ትካልና ኣደዳይ ማይክሮ ፋይናንስ 3ይ ደብሪ ብር 100 ዘይምለስ ብምኽፋል ምዉሳድ ይካኣል

5 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 15/06/2020ዓ/ም /08/10/2012ዓ/ም / ሰዓት 9፡00 ድሕሪ ሰዓት ኮይኑ ዝኽፈተሉ ድማ በቲ ዕለት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኮልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ሰዓት 9፡30 ድሕሪ ሰዓት ይኸዉን

6 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ አንተረኪቡ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓወ እዩ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo