ኮሌጅ ትምህርቲ መምህራን ኣመራርሓ ትምህርትን ዓብይ ዓዲ በዓል 250KVA ጀነሬተር ብግልፂ ጨረታ ክገዝእ ይደሊ ስለዚ ዝስዕኑ ረቃሕታት እተማልኡ መረዳእታን እተማልኡ ተወዳደረቲ ኣብቲ ጨረታ ንክትሳተፉ ይዕድም

ኮሌጅ ትምህርትን ኣመራርሓ ትምህርትን ዓብዩ ዓዲ

1 በቲ ዝተጠቀሰ ዘርፊ ስራሕ ሕጋዊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ግብሪ 2011ዓ/ም ዝከፈልኩምን

2 መረዳእታ መቕረባይነት ተመዝገብቲ ቫትን ምኻንኩን መረዳእታ እተቕርቡ

3 ወርሓዊ ድክለሬን ምግባርኩም መረዳእታ ክተቕርቡ እትክእሉ

4 መኸበሪ ጨረታ ቢድ ቦንድ ብር 50,000.00 ብጥረ ገንዘብ ወይ ኣፍልጦ ብዘለዎ ባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ብሸም ኮሌጅትምህርቲ መምህራን ዓብይ ዓዲ እቲ ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ ከተትሕዙ እትክእሉ

5 ተጫረቲ ዶክመንት እዚ ጨረታ ምልክታ እዚ ጨረታ ብቴሌቪዥን ድምፂ ወያነ ሓ/ዝ/ዉ/ማሕበር ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ዘይምለስ 200 ብምኽፋል ካብ ክ/ዕ/ፋይ/ምም/ንብረትን ኮሌጅና ብምዉሳድ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኦርጅናልን ኮፒ ነነበይኑ ነዚ ሳንዱቕ ኣብ ዘዳለዎ ሳንዱቕ የእቱ

6 እቲ ጨረታ ንፋይናንሻል 30% ንቴክኒካል ድማ 70% ዋጋ ዝሃበ ስለዝኮነ ተጫረቲ ናይ ፋይናንሻል ናይ ቴክኒካል መረዳእታ ኦርጅናልን ፎቶ ኮፒ ኣብ ዝተፈላለየፖስታ ብምእሻግ ዝቐርብ ኮይኑ ተጫረቲ ዘቕርብዎ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ክኸዉን ይግባእ

7 እቲ ጨረታ ዕለት 06/10/2012ዓ/ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9፡00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኮልቶም ኣብ ዘለዉሉ ኣብቲ ዉሽጢ ኮሌጅ ይክፈት ኣብቲ ጨረታ ተጫረቲ ወይ ወኮልቶም አንተዘይተረኪቦም ኣብዘየለዉሉ ይክፈት

8 ዋጋ ፂዑ ዝፀንሓሉ እዋን ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 20 መዓልቲ ይኸዉን

9 ሰዓራይ እቲ ጨረታ ምስዓሩ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 ተኸታልቲ ማዐልቲ ስራሕ መፅዓንን መራገፍን ሓዊሱ ብናይ ባዕሉ መጋዓዝያ ናብቲ ኮሌጅና ብምቅራብ ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ብሰብ ሙያ ተኺሉ ብምግጣም ንሰብ ሞያ ኮሌጅና ስልጠና ብምሃብ እቲ ጀነሬተር ምስርሑ ምስ አረጋገፁ ሕጋዊ ርኽኽብ ይፍፀም

10 ሰዓራይ ምስቲ ኮሌጅ ሕጋዊ ዉዕሊ ብምእሳር መኸበሪ ዉዕል ጨረታ ፐርፎርማንስ ቦንድ 10% የትሕዝ

11 ሰዓራይ 2 ዓመት ዉሕስና ይህብ

12 እቲ ኮሌጅ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ዉዕሊ ቅድሚ ምፍራሙ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 09 26 78 37 83

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo