ፍሉይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ኣብ ግቢ ትምህርቲ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ዘገልገሉ ኣቕሑት ከም ጣዉላ ፣ ሎከራት ፣ ሓፂን መፂንን፣ ካልኦትን ዝኣመሰሉ ብጨረታ አወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ ስለዝኮነ ድማ ካብዚ ንታሕተ ዝተረዘርዘሩ ረቃሕታት እተማልኡ ዝምልከቶም ኣካላት ክትወዳደሩ ይዕድም

ቃላሚኖ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ

1 ናይ 2011ዓ/ም ንግድ ፍቃድ ዝተሓደሰ ከቕርብ ዝኽእል

2 መለለዩ ቁፅሪ ንግዲ ፍቃድ ቲን ናምበር ምስ ፎቶ ኮፒ ንግዲ ፍቃድ ከትሕዙ ይግባእ

3 ኣብቲ ጨረታ ናይ ጨረታ ሰነድ ሙሉእ ናይቲ ትካል ማህተምን ሽምን ብግልፂ ክረአ ኣለዎ

4 ንሓፂን መፂንን ብኪሎ /ብኩንታል/ ንጣዉላን መሰል ዕንጨይትን ዉን ብተመሳሳሊ ንበይኑ ብኪሎ/ብኩንታል/ ዋጋ መሊኡ ከቕርብ ኣለዎ

5  እዚ ጨረታ ስዒርካ ምስ ተባሃላ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ሒሳቡ ብምኽፋል ብናይ ባዕሉ መጓዝያ ካብ ቐፅሪ ቤት ትምህርትና ክወስድ ዝኽእል

6 ቤት ትምህርትና እቲ ጨረታ ብመሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

7 እዚ ጨረታ ዕለት 29/09/2012ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ኣፍቲ ዕለት ሰዓት 4፡30 ኣብ ኣዳራሽ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ኩሎም ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኮልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

ንዝበለፀ ሓበሬታ 03 45 59 98 41

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo