ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ ንቢሮና ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ዓይነት ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ብግለፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ስለዚ አብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ ትደሊዩ ነጋዶ ዝስዕብ ሮቆሓ ክተማልኡን ክትወዳደሩን ይዕድም

ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ

1 ናይ 2008 ዓ/ም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ

2 2008 ዓ/ም ዝተሐደሰ መቀረባይነትን ሰርቴፊኬት

3 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ TIN ሰርተፌኬት

4 ናይ ቫት ሰርቴፊኬት

5 ናይ ወርሒ ሕዳር 2008 ዓ/ም ዴክሌር ዘገበርኩሙሉ መረዳእታ ክተቕርቡ ትኽእሉ::

6 ጨረታ ሰዓርቲ እንተኸይነኩም ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰርኩምዎ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 20 መዓልቲ ብፅሬትን መጠንን ብናይ ባዕልኹም መጎዓዝያ ናብ ቢሮና ክተቕርቡ ትኽእሉ::

7 መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማህተምን ፌርማን ክህልዎ ይግባእ ::

8 ተጫረቲ ዘይምለስ 30.00 /ሰላሳ ብር /እናኸፈልኩም ሰነድ ጨረታ ካብ ቢሮ ቴክኒክን ሙያን ትምህርትን ስለጠናን ክልል ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንበረት ምምር አብ ኮምፕሌከስ ህንፃ 3 ደብሪ ቁፅሪ ቢሮ 333 ካብ 20/ 05 /2008 ዓ/ም ክሳብ 7/ 06 /2008 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ እናመፃእኩም ክትወስዱ ትክእሉ::

9 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መክበሪ ንመሳርሒ ፅሕፈት 5,000 /ሓሙሽተ ሽሕ ብር / : ብ CPO  ብጥረገንዘብ ወይድማ ካብ ባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ክተትሕዙ ይግባእ

10 ኣብ ጨረታ ተወዳዲሮም ናይ ዘሸነፍዎ ልዕሊ 5000.00 /ሓሙሽተ ሽሕ ብር / እንተከይኑ ቫት 15 %  ተወሳኪ ታክስ አብ ቢሮ ተቐሪፁ ኣታዊ ይኸዉን::

11 እተቅርብዎ ዋጋ ጨረታ ካብ ዝተክፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን20 ናይ ስራሕ መዓልቲታት ፀኒዑ ዝፀንሕ ይኸዉን::

12 እቲ ጨረታ ዕለት 7/ 06 /2008 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:30 ኣብ ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምምሕደር ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብተወሳኺ ድማ ዘድሊ ደኩሜንት እንተማሊኦም ይኸፈት::

13 ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኸቡ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

14 ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 251 344 40 34 47 ክትረኸቡና ትኽአሉ ምኮንኩም ንሕብር::

ቢሮ ቴክኒክን ሙያን ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo