ኮሌጅ ኪነ -ጥበባት ትግራይ ንምምሃር ምስትምሃር ዘገልግሉ ናይ ስእሊ መሳርሒ፣ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት ፣ ናይ መኪና ስፔር ፓርት ኣቅሑ፣ ናይ በርን ሞስኮትን ምስትዋት፣ ናይ ሶፋን መጋረጃን ጨርቂ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ተወዳደርቲ ይዕድም::

ኮሌጅ ኪነ-ጥበባት ትግራይ

ኣብቲ ጨረታ ክካፈል ዝደሊ ኣቕራቢ ከማልኦ ዝግባእ ሮቑሒታት

1 ምስቲ ዘቕርቦ ኣቁሑ ተዛመድነት ዘለዎን ሕጋዊ ናይ 2011 ዓ/ም ካብ ሓምለ/ሓደ/ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቓድን መቅረባይነት ምስክር ወረቀትን ከቕርብ ዝኽእል::

2 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅሪ (TIN) ዘለዎን ተወሳኪ እሴት ታክሲ ተመዝጋቢ ዝኾነን::

3 አብ ተወሳኪ እሴት ታክሲ (VAT) ተመዝጋቢ ምኻኖም ዝገልፅ መረዳእታ ከቕርቡ ይግባእ::

4 ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ናይ ጨረታ መኽበሪ 3000 ቅርሺ ብናይ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ባንኪ ኣፍልጦ ዝተውሃቦም ብጥረ ገንዝብ ባንክታት ስፒኦ ምቕራብ ዝኽእል ወይ ብጥረ ገንዘብ የትሕዝ::

5 አሸናፊ ምኻኑ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ጀሚሩ ዘሸነፈሉ ንብረት ዋጋ 10% ዉዕሊ መኽበሪ ዉዕሊ መክበሪ ጨረታ ወይድማ ስፒኦ ከትሕዝ ዝኽእል

6 ሕድሕድ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 30.00 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ኮሌጅ ኪነ ጥበባት ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋናንስን ንብረት ምምሕዳርን ካብ ዕለት 21/09/2012 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 11/10/2012 ዓ/ም ጨረታ ሰነድ ብምዉሳድ ናብቲ ንጨረታ ሳንዱቅ ዝተዳለወ ኣታዊ ክገብር አለዎ::

7 ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕሸገሉ ዕለት 11/10/2012 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ኮይኑ ጨረታ ሳንድቅ ዝኽፈተሉ ዕለት 11/10/2012 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ይክፈት።

8 መንግስታዊ ቤት ዕዮ ኣብ ዝፍፀም ግዝኢት ንምስታፍ ኣብ ናይ ኣቑሑትን ግልጋሎትን ምዃኖም ዘረጋግፅ መለለይ ካርዲ ዘለዎ ኮፒ ገይሮም ከተሓሕዙ ኣለዎም።

9 ጨረታ እንትክፈት ተጫረቲ ሕጋዊ ወኪላት ክርከቡ ንዕድም::

10 ኮሌጅና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋክል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ አዩ::

11 ካብቲ ዝሰዓረ ንብረት 20% ክውስኽን ክቕንስን ይኽእል እዩ።

12 ኣብ ዝቐረበ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝርዝር ዝሓዘ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን።ሓበሬታ እንተሃልዩዎም ኣብ መብርሂ ይሓበሩልና ።

መተሓሳሰቢ

ኣድራሻና ኮሌጅ ኪነ ጥበባት ትግራይ ዝርከበሉ ቦታ ጥቃ ፎቶ ደስታን ጥዕና ጣብያን መቐለ እዩ::

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0342-409467 ወይድማ 09 14 41 30 07  ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo