ትካል መቐለ ኦርቶ -ፊዝዮ ቴራፒ ማእኸል ኣብ ትሕቲ ፅላል ማሕበር ጉድኣት ኩናት ትግራይ ዝመሓደር ወሃቢ ግልጋሎት ትካል ኮይኑ ኣብ ዉሽጢ ግቢ /ቀፅሪ/ ትካልና ዝርከብ ናይ ሓፁር ቦታ ኣጫሪቱ ብትሪካላታ ከስርሕ ስለ ዝደለየ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም በቲ ተነፂሩ ዘሎ ዝርዝር ስፔስፊኬሽን መሰረት ንሕድሕድ ዓይነት ስራሕ ንፁር ዋጋ ብምቅማጥ ክትወዳደሩ እትዕድም ዝስዕብ ረቃሒ ዘማልኡ ክኾኑ ይግባእ

ትካል መቐለ ኦርቶ ፊዝዮቴራፒ ማእከል

1 ናይ 2011 ዓ/ም ናይ ስራሕ ግብሪ ዝኸፈሉ ፍቓድ ዘሐደሱሉ መረዳእታ ከቅርቡ ኣለዎም

2 ኣብ ቤት ፅሕፈት ደኣንት 2011ዓ/ም ዝወሃብ ዝተሓደሰ ብርኪ ትካል ዝገልፅን ናይቲ ማሕበር ዉልቀ ትካል ሕጋዊ ሰዉነት ሰርተፊኬት መረዳእታ ከቕርቡ ዝኽእሉ

3 ካብ ጠቅላላ ዋጋ 2.5 ድሕሪ ዓመት ዝኽፈል መረጋገፂ ፅሬት ንምትሓዝ ፍቃደኛ ዝኾነ

4 ናይ ጨረታ ዉሕስና ካብ ዝተፈለጠ ናይ መድሕን ዉሕስና ትካል ወይ ድማ ብኢ/ያ ብሄራዊ ባንኪ ካብ ዝተፈቀደሎም ዝተፈለጡ ባንክታት ዝወሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ባንኪ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክን ሌተር ኦፍ ክረዲትንግ ኾይኑ መጠኑ 2000.00 ክልተ ሽሕ ብር ከቅርቡ ኣለዎም

5 ካብ ዝሓለፈ 2ተ ዓመታት እንተነኣሰ ካፒታሉ ልዕሊ 250,000.00 ሓደ ፕሮጀክት ብፅብቅ ሰሪሑ ከምዘረከበ መረጋፂ ናይ ስራሕ ልምዲ ድጋፍ ከቅርብ ዝኽእል

6 ተጫረቲ ናይ ዝጫረተሉ ስራሕ ትርካላታ ሓፁር ሳይት ካብ ዝተረከብሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 15 ተኸታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልታት ሙሉእ ብሙሉእ ብፅሬት ዛዚሞም ከረክቡ አለዎም

7 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 11/09/2012ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ቤት ፅሕፈት MOPC ኣድላይ መረዳእታታት ብምሓዝ ዘይምለስ 50 ብር ብምኽፋል ክወስዱ ይክእሉ

8 እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኮልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ዕለት 22/09/2012ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3፡00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓሺጉ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 3፡30 ናይ ቅ/ቀ ይክፈት

9 ሰዓራይ ምኸኑ ካብ ዝተረጋገፀሉ ኣብ ዉሽጢ 4ተ መዓልቲ ዉዕሊ መኸበሪ ካብ ጠቅላላ ዋጋ 3 ሚኢታዊ ብር ስፒኦ ብሹም MOPC ኣብ ዝተፈለጠ ባንኪ ብምትሓዝ ዉዕል ክኣስር ዝኽእል

10 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 03 44 41 07 88

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo