ማእኸል ምርምር ሕርሻ መቐለ ናይ ስፔር ፓርት ን2012 ዓ/ም ብመደበኛ በጀት ክዕድግ ይደሊ::

ማእኸል ምርምር ሕርሻ መቐለ

በዚ መሰረት ተወዳደርቲ ክተማልእዎ ዝግባእ ረቋሒ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ፣ ናይዚ ዘበን ግብሪ መንግስቲ ዝኸፈሉ፣ ንግዲ ፍቓዶም ዘሐደሱ፣ ቲን ቑፅሪ ዘለዎም፣ ቫት ዝተመዝገቡ ምካኖም መረዳእታ ዘቕርቡን ናይ ወርሒ ሚያዝያ 2012 ዓ/ም ናይተወሳኺ እሴት ታክስ(VAT) ዲክለር ዝተገበሮ መረዳእታ ኣብ ጨረታ ሰነድ ክተሓሓዝ አለዎ::

2 ናይ ጨረታ መኽበሪ ቢድ ቦንድ ብሽም ማእኸል ምርምር ሕርሻ መቐለ ዝተሰርሐ ናይ ስፔር ፓርት 3,000 ብር ስፒኦ ክትሕዙ ዝኽእሉ ኦርጅናልን ኮፒን ናይ ጨረታ ዶክመንት ብሽምዒ ብዝተኣሸገ ፖስታ ከቕርቡ ዝኽእሉ::

3 ተጫራታይ ናይ ጨረታ ዶክመንት ካብ ዕለት 19/09/2012 ዓ/ም ጀሚሩ አብ ማእኸል ምርምር ሕርሻ መቐለ ቢሮ ቑፅሪ 13 ብምምፃእ ዘይምለስ ብር 50.00 /ሓምሳ/ ነንሕድሕዱ ብምክፋል ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ዶክመንት ክሳብ ዕለት 04/10/2012 ዓ/ም ዘሎ ነዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቕ ምእታዉ ይኽኣል::

4 ኣብ ዝቐረበ ናይ ጨረታ ዶክመንት ኣብ ሕድሕድ ሰነድ ፊርማን ማህተምን ናይቲ ትካል ክህልዎ አለዎ::

5 እቲ ጨረታ ዕለት 04/10/2012 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ አብቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ባዕሎም ወይም ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸበሉ ይኽፈት::

6 ጨረታ ሰዓራይ ምስተፈለጠ ዉዕሊ መኽበሪ 10% ብምትሓዝ ካብ ዘአተወሉ ዉዕሊ እዋን ጀሚሩ ንብረት ኣታዊ ይገብር::

7 እቲ ቢሮ ካብቲ ዝተዘርዘረ መጠን ንብረት ክሳብ 25% ምውሳኽን ናይ ምቕናስን መሰል አለዎ::

8 ተጫራታይ ግልፂ ኣብ ዘይኾነሎም ነጥብታት መብርሂ ወይ መመሓየሺ ሕቶ ከቕርቡ ዝክእሉ ጨረታ ዝኽፈተሉ እዋን ቅድሚ ምብፅሑ ይኸዉን::

9 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ነቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

10 ዘሸነፉ ትካላት ብናይ በዕሉ ተራንስፖርት ናብ ማእከል ምርምር ሕርሻ መቐለ ስቶር ዘእቲ 11 ንተወሳኪ ሐበሬታ ማእኸል 11 ምርምር ሕርሻ መቐለ ፋይናንስን ዕዳጋ ንብረት ምምሕዳር ምሕታት ይከኣል

መተሓሳሰቢ - ዘሸነፈ ትካል ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ክአቲ ኣለዎ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 03 44 40 80 29

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo