ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ/ ህወሓት/ ናይ ግሪነሪ ስራሕቲ /ሳዕሪ ኮንስትራክሽን/ ካብ ሕጋዉያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክስርሕ ይደሊ

ዋና ቤት ፅሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ /ህ.ወ.ሓ.ት/

1 በቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎን አብ ናይ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገበን

2 ተጫረቲ ቫት ዝተመዝገቡ ምካኖም መረዳእታ ዘቅርብን ናይ ክፊሊ ግብሪ መለለይ ቲን ናምበር ምህላዎም መረዳእታ ከቅርቡ አለዎም

3 ተጫረቲ ግብሪ 2011 ዓም ዝከፈሉን ንግዲ ፋቃድ 2012 ዓም ዘሐደሱን ናይ ወርሒ ጥሪ የካቲት መጋቢት 2012 ዓም ዲክለር ዝገበሩን ምካኖም መረዳእታ ከቅረቡ አለዎም

4 ተጫቲ ዝጫረትሉ መወዳደሪ ዋጋ ብዘይስርዝ ድልዝ መሊኦም ብንፁር ሽምን ኣድራሻን ፊርማን ማህተምን ብምግባር ከምእዉን ኣብ ተቁ 5 ዝተገሉ ሰነዳትን ካልኦት ኣድላይ እየም እትብልዎም ሰነዳት እንተሃልዩም ፎቶ ኮፒ ብምግባር ሕድሕድ ሰነድ ተማሊኡ ብፖስታ ዓሺጎም ናብ ዋና ቤት ፅሕፈት ህ ወሐት ክ/ስ/ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንጨረታ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ከእተዉ ይክእሉ

5 ተጫረቲ ጨረታ ካብ ዝሸነፍሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ሕጋዊ ዉዕሊ ኣሲሮም መከበሪ ዉዕሊ 10% ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉን ተጫረቲ ዘሸነፍዎም ንብረት ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርት ናብ ዋና ቤት ፅሕፈት ንብረት ክፍሊ ከቅረቡ ዝክእሉ

6 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይመለስ ሰነድ ብር 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ከ/ስ/ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ዕደጋ ክፍሊ ምዉሳድ ይክእሉ

8 ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ግዜ ካብ ዕለት 17/08/2012 ዓም ክሳብ ዕለት 01/10/2012 ዓም ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ኮይኑ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ብዝተዓሸገ ፖስታ ክተቅረቡ ትክእሉ

9 እቲ ጨረታ ዕለት 01/10/2012 ዓም ሰዓት 3:30 ተዓፂዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:00 ኣብ ቤት /ፅት ህወሓት ዕደጋን ፋይናንስ ከይዲ ስራሕ ኣዳራሽ ይፈት

10 ጨረታ ምስተከፈተ ሕጋዊ ሕቶን ተዘይኮኑ ካሊእ መመክነይታ ምቅራብ ግን ተቀባልነት የብሉን

11 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መከበሪ ንኔት ወርክ ኣቅሑት ብር 3000 ብጥረ ገንዝብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዙ አለዎም

12 ተጫረቲ ብዘይ አገባብ ጨረታ ንምዝገባዕ ንዝፈተኑ ስጉምቲ እንወስድ ምኩኑ ከምእ እዉን ዘትሓዝዎ ናይ ጨረታ መከበሪ ገንዘብ ዝዉረስ ምኩኑ ከፈልጡ አለዎም

13 ኣብ እዋን ጨረታ ምርኣይ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ክርከቡ አለዎም ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይ ምቅራቦም ጨረታ ምክፋት ኣይተኣጎጎልን

14 ቤት ፅሕፈትና ተጫረቲ ዘሸነፍዎ መረጋገፂ ኣካል ብዓል ሞያ ፅሬቱ ተረጋጊፁ  ንብረት ጥራሕ ሒሳቡ ንከፈል ምካኑ ከፍልጡ አለዎም

15 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ቤት ፅሕፈትና ክሳብ 20% ክቅንስን ወይ ክዉስክ ይክእለ እዩ

16 ቤት ፅሕፈና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

17 ተጫረቲ አበቲ ጨረታ ሰነድ ዘይተረደኣኩም ነገር እንተሃልዩ ብስልኪ ቋፅሪ 0344414129 /0344 404396 ደዊሉም ወይ ናብ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ከ/ስ/ዕ/ፋ/ምምሕዳር በኣካል ቀሪብኩም ምሕታት ይክእሉ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo