ቤት ማዘጋጃ እንትጮ ኣብ 2012 በጀት ዓመት ናይ 2ይ ፍርቂ ዓመት ዝተፈላለዩ ዓይነት ተክሊታትን ዕንበባታትን ብግልፂ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ዝምልከተኩም ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም።

እንትጮ ቤት ማዘጋጃ

1 ብዘርፉ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ፍቃደ ዘሐደስኩም፤

2 ካብ ትልምን ፋይናንስን ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ዘለኩም ቫት ዝተመዝገብኩምን እቶትኩምን ናይ መጋቢት 2012ዓ/ም ዘፍለጥኩምን፤

3 መለለይ ቲን ቁፅሪ ዘለኩምን ንክትወዳደሩ እንትንዕድም፤

4 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ንሕድሕዶም 100.00 ብር ብምኽፋል ካብ እንትጮ ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ር/ንብረት ምውሳድ ይከኣል።

5 ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ መኸበሪ ጨረታ /ቢድ ቦንድ/ ነንሕድሕዶም 10,000.00 ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዝ ዝኽእል፤

6 ጨረታ ኣሸናፊ ምስተፈለጠ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ውዕሊ ዝኣስር ፤

7 ናይ ጨረታ ሰነድ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 17/09/2012 ዓ/ም ጀሚሩ ኩሉ ግዜ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ ቤት መዘጋጃ ከተማ እንትጮ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፈይ/ምም/ር/ንብረትን 15ተኸታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልቲ ምወሳድ ይከአል።

8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድኩም ብዝተዓሸገ ፖስታ ነዚ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቅ ክተእትው እትኽእሉን ስርዝ ድልዝ ተቀባልነት የብሉን።

9 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 05/10/2012 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ቅ.ቀትሪ ዝኽፈተሉ ድማ 8:30 ቅ/ቀትሪ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረኸብሉ ወይ በማመልከቻ ኣብ ዝተረኸበሉ ወይ ብመምርሒ መሰረት ይኽፈት።

10 እዚ ዋጋ እዙይ ን60 መዓልቲ ፀኒዑ ይፀንሕ።

11 ፅ/ቤትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኩን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 03 44 49 14 40 /0939 19 45 60 /09 42 66 33 64 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo