ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ገጠርን እዞም ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ ኣቁሑት ማለት እዉን ግልጋሎት ካፍቴርያ፣ መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና ፣ላስቲክ ገመድ ፣ፀባ መድሐዚ፣ ናዉቲ ግልጋሎት መራብሒ ዓሳ፣ ናዉቲ ግልጋሎት መራብሒ ንህቢ፣ መሳርሒ ፅሕፈት ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ

ቢሮ ሕርሻን ገጠር ልምዓትን ክልል ትግራይ
  1.  ዝምልከተኩም ናይ ንግዲ ትካላት ካብ 19 ጥሪ 2008 ዓም ጀሚሩ ንነፍስወከፍ ሎት 100 ቅርሺ ብሽም ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ገጠርን ክልል ትግራይ ኣብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮዽያ ቁፅሪ ሒሳብ 1000012030899 ኣታዊ ገይርኩም ቅብሊት ሒዝኩም ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ትክእሉ ምካንኩም ይሕብር ናይ ጨረታ መከበሪ ቢድ ቦንድ ብሲፒኦ ኣብ ሰነድ ጨረታ ዝተገለፀ መጠን ገንዘብ ብሽም እቲ ቢሮ አስርሒካ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ምትሓዝ የድሊ
  2. ናይ ሎሚ ዘበን ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ
  3. መለለዩ ቁፅሪ ከፋሊ ግብሪ መረዳእታ
  4. ተወሳኪ እሴት ታክስ ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2008 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረደእታ
  5. ናይ መቅረባይነት ምዝገባ ወረቀት ምስክር ምቅራብ የድሊ
  6. እቲ ቢሮ ናይቲ ጨረታ 20% ምዉሳክ ናይ ናይ ምቅናስ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
  7. እቲ ቢሮ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
  8. እቲ ጨረታ 3 ለካቲት 2008 ዓም ሰዓት 2፡ 30 ተዓፅዮ ሰዓት 3 ፡30 ክርከቡ ዝደልዩ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብቲ ቢሮ ይክፈት

ንተወሳኪ ሓበሬታ 0344403663 ወይ ብኣካል ብምቅራብ ምሕታት ይከኣል

 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo