ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሕንጣሎ ዋጅራት ኣብ 2008 ዓም ናይ ዝተፈላላያ ኣብያተ ፅሕፈት ብናይ ሴፍትኔት መሳርሒ ህንፃ ፣ ሲሚንቶ፣ መሳርሕታት ጋብዮንን ካልኦት ኣቁሑት ምስ መገዓዕዝዩ አጫሪቱ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሕናጣሎ ዋጅራት

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቀሕታት

  1. ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ በቢዘፈሩ ዘለዎ
  2. ናይ 2008 ዓም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩም ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝከፈልኩምን
  3. ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩምን
  4. ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለዩ ቁፅሪ ዘለዎ
  5. ናይ 2008 ዓም ዝተሓደሰ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝክእል
  6. ኩሉ መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ኣብ ዝሰዓሸገ ፖስታ ከቅርብ ዝክእል
  7. መክበሪ ጨረታ 15,000 ቅርሺ ከትሕዝ ዝክእል
  8. ወርሓዊ ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ
  9. ሰዓራይ ኣካል ጨረታ ካብ ዝሰዓረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልትታት ዉዕሊ ክአስር ዝክእል
  10. ሰዓራይ ኣካል ካብቲ ዝሰዓሮ 20% ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን እቲ ወረዳ ምዉሳክ ወይዉን ምንካይ ዝክእል ምካኑ ይገልፅ
  11. ኣብቲ ዝወፀ ሰነድ  ጨረታ ወይድማ ስፐስፊኬሽን ስርዝ ድልዝ እንተሃኒዎ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይከዉን
  12. ሰነድ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ወረዳ ሕንጣሎ ዋጅራት  50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ቁፅሪ 8 ምዉሳድ ትክእሉ
  13. ብተወሳኪ ብመምርሒ ዕደጋ ክልልና ኣዋጅ ቁፅሪ 255/ 2007 ተፈፃሚ ይከዉን
  14. ሰዓራይ ኣካል ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሕንጣሎ ዋጅራት ኣብቲ ዝርዝር ጨረታ ሰነድ ዝተጠቀሰ ጣብያታት ምስ መጋዓዕዝዩ መራገፊኡን ክሽፈን ዝክእል
  15. ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ 20 መዓልቲ ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ክምዝክእል ብፊርምኦም ከረጋግፁ አለዎም
  16. ኣብ ጋብዮን ከባቢ ዘለዎ ማተሪያል ሎት ባይ ሎት እምኒ ፀፀር ሑፃ ጠቅላላ ዝተሓተ ዋጋ ዘእተዋ ሰዓራይ እንትከዉን ኣብ መሳርሕታት ህንፃ ግና ኣይተም ባይ ኣይተም ሰዓራይ ይከዉን
  17. ሳንዱቅ ጨረታ 30 ጥሪ  2008 ዓም ሰዓት 3 ፡30ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት  ሰዓት 4 ፡00 ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ተጫረቲ ብዘይምርካቦም ከይዲ ጨረታ ኣይተኣጋጎልን
  18. እቲ  ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ  0344370246 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ ።

 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo