ን 2ይ ግዜ ዝወፀ ግልፂ ምልክታ ጨረታ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ትግራይ ንበጀት ዓመት 2012 ዓም ንዝርገሐ ኤሌክትሪክ ኣጎልግሎት ዝዉዕሉ ናይ ኤሌክትሪክ ኮንኩሪክት ፓሎን ፣ ኣቅሑት ኤሌክትሪክ ዳብል ፌርመርን ፣ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ኮርፖሬሽን ልምዓት ኢንዱስትሪ ፓርክታት ትግራይ

1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዋናን ሐደ ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል፤

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ዋናን ሐደ ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል

3 ንተወሳኪ እሴት ታክስ ቫት ዝተመዝገበ ቫት ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ቫት ዲክላሬሽን ዋናን ሐደ ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል

4 በቲ ዘፈር መቅረባይነት ዝተመዝገበ ምካኑ ናይ ዝመኑ ዝተሐደሰ ምስክር ወረቀት ዋናን ሐደ ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል

5 ተጫራታይ ንናይ ኤሌክትሪክ ኮንክሪት ፓሎ ንምፍራይ ፍቃድ ዝተወሃቦ መረዳእታ ዘቅርብ

6 ናይ ኤሌክትሪክ ትራንስፎርሞር ካብ ወፃኢ ዓዲ ዘቅርብ ኮይኑ ካብ ወፃኢ ዓዲ ዘምፅእ ምካኑ መረዳእታታት ዘቅርብ

7 ተወዳዳራይ ነቲ ዝሰዓሮ ንብረት ብንኡስ ናይ 1 ዓመት ዉሕስና ዘቅርብ

8 ናይ መወዳደሪ ዶክሜንት ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ፣ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማሕተምን ፌርማን ዘለዎ ክከዉን ይግባእ

9 ናይ  ሰነድ ጨረታ ካብ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት አንድስትሪ ትግራይ ፊት ንፊት ዓብይ ንግዲ ባንኪ ሞሞና ህንፃ 8ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 803 ካብ ዕለት 08/09/2012 ዓ/ም ክሳብ 24/08/2012 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዘ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ 50.00 እናከፈልኩም ብምዉሳድ ክትወዳደሩ ይዕድም

10 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መከበሪ ሰነድ ጨረታ ብር 3000.00 /ሰለስተ ሽሕ ብር/ ጥራሕ ብሽም ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ትግራይ ብሲፒኦ ወይ ብሰርቲፋይድ ቼክ ወይ ብጥረገንዘብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቢሮና ጨረታ ሳንዱቅ ወይ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝክእል፤

11 እቲ ጨረታ ዕለት 24/09/2012 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 5:00 ኣብ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት አንድስትሪ ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 804 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይኩን ኣብ ዘይተረከብሉ ይክፈት።

12 ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

13 ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0342-417506 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ኮርፖሬሽን ልምዓት ኢንዱስትሪ ፓርክታት ትግራይ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo