ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ጋንታ ኣፈሹም ኣብ 2012ዓ/ም በጀት ዓመት ንኣብየተ ፅሕፈት እቲ ወረዳ ግልጋሎት ዝዉዕሉ መሳርሒ ፅሕፈት ፣ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ፣ ኣቅሑ ፅሬት ፣ ስራሕቲ ሕትመት ፣ መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና፣ መለዋወጢ ኣቅሑ ሞተር ሳይክል ፣ ኣቅሑ ገዛ፣ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ጋንታ አፈሹም

1 ዝተሐደሰ ናይ ዘበኑ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎም

2 መረዳእታ መቅረባይነት ዝሓዘን መለለይ ቁፅሪ ከፋልነት ግብሪ ዘለዎን

3 ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመገብን ናይ ወርሒ መጋቢት ናይ 2012 ዓ/ም ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

4 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ጋንታ ኣፈሺም ደጋፋ ከይዲ ስራሕን ንብረት ምምሕዳርን ምዉሳድ ይከኣል፡፡

5 መከበሪ ጨረታ 5000.00 ሽሕ ቅርሺ ፣ ኣቅሑ ፅሬት 3000፣ ንሕትመት ስራሕቲ3000.00 ቅርሺ ፣ ኣቅሑት ቢሮ 3000 ብጥረ ገንዝብ ወይ እዉን ብሰፒኦ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ዝተዉሃበ ብሽም እቲ ቤት ፅሕፈት ከትሕዝ ዝእክል፤

6 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፡፡

7 ሳንዱቅ ጨረታ 27/09/2012 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣበ ዝተረከብሉ ይክፈት፡፡

8 ተጫረቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጎዓዝን ወፃኢን ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ ጋንታ አፈሹም ከቅርቡ ይግብእ፡፡

9 ተጫረቲ ኣብ ዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ ኣይግባእን ከምእዉን ንዝወሰድዎ መወዳደሪ ሰነድ ዋላ ሓንቲ ከይ ኣጉደሉ ንነብሰ ወከፍ ማህተም ክታምን ክዕርፍሉ ይግባእ፡፡

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344-451137 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo