ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ንዝ/ዩ ኣብያተ ፅሕፈታት አገልግሎት ብናይ UIIDP ፕሮጀክት ዝተፈላለያ ንብረታይ ናይ ኣይሲቲ ናዉቲን ፣ ናይ ቢሮ ኣቅሑትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሽረ እንዳስላሰ

1 ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲን ዘለዎን ናይዚ ዘበን ዝተሓደሰ ቅዳሕ አተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ / TIN / ቅዳሕ ገይሩ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል፤

3 ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ መረዳእታ መቅረባይነት ደፍተር ዘለዎን ቅዳሕ ገየሩ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል፤

4 ዝተዉሃቦም ምስክር ወረቀት ተወሳኬ እሴት ታክስ ዋናን ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል፤

5 ናይ ወርሒ መጋቢት  2012ዓ/ም ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል፤

6 እቲ ጨረታ ካብ 30/08/2012ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 17/09/2012ዓ/ም ኣብ ዘሎ እዋን ዝረዝር ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ኣብ ቀበሌ 01 ኣብ ዉሽጢ ቀፅሪ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ዝርከብ ቁፅሪ 17 ብምምፃእ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ክሳብ 17/09/2012ሰዓት 6፡30 ክወስዱ ይክእሉ

7 እቲ ጨረታ 17/09/2012ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት 17/09/2012 ሰዓት 8:30 ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት።

8 እቲ ሰነድ ጨረታ በቲ ምልክታ መሰረት ኣማሊኡ እንተቀሪቡ ተጫረቲ ብዘይለውሉ ንምኽፋት ዝዓግቶ ነገር የለን።

9 መከበሪ ጨረታ ናውቲ ኣይሲቲ ን ኤሌክትሮኒክስ 8000 ሽሕ ቅርሺ  ንኣቅሑት ቢሮ 5000 ቅርሺ ብጥረ ገንዝብ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ስፒኦ ከትሕዝ አለዎ፤

10 ኣብዚ ጨረታ ሰዓራይ ምካኑ ምስተገለፀ ብመሰረት መምርሒ ዕደጋ መሰረት ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል፤

11 ሰነድ ጨረታ ብንፁር ዝንበብን ስርዝ ድልዝ ዘይብሉን ናይ በዓሎም ፊርማን ማህተምን ኣብ ነብስ ወከፈ ገፅ ብምግባር ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርብ ይግባእ፤

12 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ይኩን ብክፈል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03 44 44 49 16 /03 44 44 28 66

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo