ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ዞባ ምዕራብ ትግራይ ንቤት ፅሕፈት ኣጎልግሎት ዝዉዕሉ ፣ መሳርሒ ፅሕፈት፣ኣናእሽተይ መሳርሕታት፣ጎማን ባትርን መካይን፣ መኪና ስፔር ፣ኣቅሑ ፅሬት፣ ስለዝደሊ ከብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቃሒ እተማልኡ ትካላት ክትወዳደሩ ይዕድም

ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ዞባ ምዕራብ

1 በቲ ዘፈር ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም

2 ወረቀት ምስክር ከፋሊ ግብሪ፣ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ፣ ፣ ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑን ናይ ወርሒ መጋቢት2012 ዓ/ም ወርሓዊ ድክለሬሽን ዝገበርሉ መረዳእታ ዘቅርቡን

3 ንዝተዳለወ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ 50.00 ቅርሺ ብምኽፋል ካብ መምርሒን ትልምን ፋይናንስን ጉጅለ ዞባ ምዕራብ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ምም/ር/ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 11 ክትወስዱ ትኽእሉ፤

4 ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ ካብ 30/08/2012ዓ/ም -14/09/2012ዓ/ም ኮይኑ እቲ ጨረታ 17/09/2012ዓ/ም ሰዓት 3:00 ናይ ንግሆ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 3:30 ናይ ንግሆ ተጫረቲ ወይ ደማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ምም/ር ዞባ ምዕራብ ትግራይ ሑመራ ቢሮ ቁፅሪ 11 ይኽፈት። ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይ ምርካቦም ጨረታ ካብ ምኽፋት ኣይእገድን።

5 ተጫራታይ ንነብሲ ወከፍ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ጥረ ገንዘብ ንመኪና መለዋወጢ6000.00  ፣ ንጎማ መኪናን ባትርን  10000.00 ቅርሺ ፣ ን ፅሕፈት መሳርሒ ኣናእሽተይ መሳርሕታትን 3000 ንፅሬት መሳርሒ 3000.00 ቅርሺ ንመኸበሪ ሰነድ ጨረታ ውሕስና ከቅርቡ ኣለዎም።

6 ርኽክብ ንብረት ( ኣገልግሎት ዝግበረሉ ቦታ) ኣብ ከተማ ሑመራ ኣብቲ ዝተገለፀ ቤት ፅሕፈት ይኸውን።

7 ቤት ፅሕፈትና እዚ ጨረታ ብክፋል ይኩን በሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344-480001 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo