ድምፂ ወያነ ትግራይ ሓለፍነቱ ዝተወሰነ ዉልቀ ማሕበር ካብዚ ንታሕቲ ዘለዉ ንብረታት ማለት እዉን ፣ 1 ኮምፒተር ኮር 17 በዝሒ 2 2 HP ላፕቶፕ ኮር 17 በዝሒ 1 3 ታፕሌት ሞባይል በዝሒ 2 4 መቀመጢ ማይክሮፎን በዝሒ 4ተ ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ድምፂ ወያነ ትግራይ ሓ/ዝ/ው/ማሕበር

1 ናይ 2012ዓ/ም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሱን ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮኑን ናይ ወርሒ መጋቢት 2012ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጡሉ መረዳእታ ቅዳሕ ከቅርቡ ዝክእሉ

2 ዉሕስና ጨረታ 10% ብመልክዕ  ብስፒኦ ወይ ድማ ካብ ባንኪ ብዝተወሃበ ዝተረጋገፀ ቼክ ከቅርቡ ዝክእሉ

3 ሰነድ ጨረታ ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ካብ 28/08/2012ዓ/ም ጀሚሩ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ዋና ክፍሊ ፋይናንስ ቢሮ ቁፅሪ 308 ክትወስዱ ትክእሉ

4 ሰነድ ጨረታ ፋይናንሻልን ቴክኒካልን መሊኢኩም ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ቢሮ ቁፅሪ 409 ከተቅርቡ እትክእሉ

5 እዚ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 28/08/2012ዓ/ም ጀሚሩ ን 10 ተከታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ዝፀንሕ ኮይኑ 10/09/2012ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኮልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ 4ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 409 ይክፈት

6 ሰዓራይ ምስተፈለጠ ዉዕሊ አሲሩ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልታት ብናይ ባዕሉ መጋዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ድምፂ ወያነ ትግራይ ከረክብ አለዎ

7 እቲ ቤት ዕዮ ነቲ ጨረታ ብክፋል ወይ ድማ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 03 44 41 05 44 /03 44 41 05 46

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo