ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ንከይዲ ስራሕ ልምዓት ትልሚ ሞያን ፍቃድን ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ሕትመታት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግን ከሕትምን ስለዝደሊ ዝስዕብ ረቀሒ እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም

ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ
  1. ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎም
  2. መረዳእታ መቅረባይነት ዝሓዘን መለለዩ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ከቅርብ ዝክእልን
  3. ናይ ወርሒ ሕዳር 2008 ዓ ም ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዝገበረሉ መረዳእታ ዘቅርብን
  4. ሰነደ ጨረታ ካብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 12 ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ 14 ጥሪ 2008 ዓም ጀሚሩ ክሳብ 30 ጥሪ 2008 ዓም  ኩላሻብ ኣብ ስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይከኣል
  5. ሰነደ ጨረታ 30 ጥሪ 2008 ዓ ም ሰዓት 8፡ 45 ተዓሺጉ ኣብቲ ዕለት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊያን ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ሰዓት 9 ፡00 ድሕሪ ሰዓት ይክፈት
  6. ተጫረቲ ዝወሰድዎ ሰነድ ጨረታ መሊኦም ክሳብ 30 ጥሪ 2008 ዓም ሰዓት 8 ፡30 ኣብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ክፍሊ ቁፅሪ 12 አብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታዉ ይክእሉ
  7. መክበሪ ጨረታ 5000 ቅርሺ ብሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል
  8. ተጨራታይ ሰዓራይ ምካኑ ብደብዳቤ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል

መተሓሳሰቢ

ዝኮነ ተጫራታይ ብዝዓባ እቲ ሰነድ ጨረታን ካልእ መብርህን ዘድልዮም እንተኮይኑ ብፅሑፍ ጥራይ ምሕታት ይክእል

ሰዓራይ ጨረታ ንብረት ኣታዊ ዝገብረሉ ኣብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ንብረት ክፍሊ ኮይኑ እቲ ንብረት ድማ ፅሬቱ ብባዓል ሞያ እቲ ቤት ዕዮ ክረጋገፅ ይግባእ

እቲ ቢሮ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344403477 ብተወሳኪ 0344408299 ደዊልካ ይኩን ብኣካል ብምቅራብ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo