ን 2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ኤጄንሲ ምር/ምዝ/ሰነዳትን ወ/ኩነትን ኣብ 2012 በጀት ዓመት ዝተፈላለዩ ናይ ቀዋሚ ንብረት ሎት 1 /ፈርኒቸር/ ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክግድግ ይደሊ

ኤጄንሲ ምርግጋፅን ምዝገባን ሰነዳትን ወሳኒ ኩነትን

1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዋንኡን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ቲን ሰርተፊኬት ዋንኡን ቅዳሕን

3 ንተወሳኺ እሴት ታክስ ቫት ዝተመዝገበ ኮይኑ ቫት ምዝገባ ሰርተፊኬትን ናይ መጋቢት2012ዓ/ም ቫት ዲክለሬሽን ዋንኡን ሓደ ኮፒን

4 በቲ ዘርፊ ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገበ ምኻኑን ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ምስክር ወረቀትን

5 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ምኻኑ ምስ ተፈለጠ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ኣለዎ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳዳራይ ዝሰዓሮ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ንሎት 1 10 ኮይኑ እቶም ንብረታት ብናይ ባዕሉ መጋዓዝያ ናብ ቤት ዕዮና ስቶር ክፍሊ በቲ ዝተሓተተ ፅሬትን መጠንን ከቅርብ ዝኽእል

6 ናይ መወዳደሪ ዶክሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ኽኸዉን ይግባእ

7 ናይ መወዳደሪ ዶክመንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፌርማን ክኸዉን ይግባእ

8 ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታን ንኩሎም ምድብ ዘይምለስ 40 ኣርባዓ ብር ኣናኸፈለ ካብ ቢሮ ዕደጋ ፋይናንስን 29/08/2012ዓ/ም ክሳብ 17/09/2012ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ሰነድ ጨረታ ገዚኡ ክወዳደር ይክእል

9 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መኸበሪ ንሕድሕድ ሰነድ ጨረታ ሎት1 5000 ቅርሺ ብሽም ኤጄንሲ ምርግጋፅን ምዝገባን ሰነዳትን ወሳኒ ኩነት ስፒኦ ናብ ዝተደለወ ናይ ቤት ዕዮና ጨረታ ሳንዱቕ ወይ ድማ ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ ከቅርብ ዝክእል

10 እቲ ጨረታ ዕለት 17/09/2012ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3፡30 ድ/ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 4፡00 ድ/ሰዓት ኣብ ኤጄንሲ ምርግጋፅን ምዝገባን ሰነዳትን ወሳኒ ኩነትን ደ/ከ/ስ/ዕደጋ ንብረት ምም/ር ፋይናንስን ቤት ዕዮና 3ይ ደብሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኮልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

11 ቢሮና ዝሓ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንዝበለፀ ሓበሬታ 03 42 40 32 97

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo