ቤት ፅሕፈትና ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንቤት ፅሕፈት ልምዓት ከተማ ከይዲ ስራሕ ፅሬትን ፅባቀን ግልጋሎት ዝዉዕላ ሴኪፕሎደራት ክራይ ዕድጊት ንምፍፃምብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደሊ ብዓዉደ ስራሕ ማሽነሪ ክራይ ፍቃድ ዘለኩም ወይድማ ስኬፕሎደራት ተቅርቡ ሕጋዉያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ንዕድም

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ

ስለዚ እዚ ዝስዕብ ሮቋሕታት እተማልኡ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ንዕድም

 ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቆሒታት


1 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈልሉ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ :መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ : ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስን ናይ ወርሒ ታሕሳስ ሒሳብ ዘፈልጥሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

2 ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብቲ ቤት ፅሕፈትና ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ምም/ር ንብረትን ካብ 14/05/2008 ዓ/ም ጀሚሩ ብር 100.00 ብምክፋል ምዉሳድ ይካአል::

3 ናይ ጨረታ መኸበሪ 15000 ቅርሺ ብሲፒኦ ወይድማ ብጥረገንዘብ ከምኡዉን ኣብ ቅድመ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ከትሕዝ ዝኽእል

4 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 30/ 05 /2008 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ናይ ድሕሪ ሰዓት ተዓፅዩ ዕለት 30/05 /2008 ዓ/ምሰዓት  9:00 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላት አብ ዘለዉዎ ይኽፈት::ተጫረቲ ብዘይምርካቦም ከይዲ እቲ ጨረታ ኣይተኣጋጎልን

5 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ብክልተ ፖስታ ሐደ ኦርጅናልን ክልተ ኮፒ ዝተዓሸገ ፖስታ ክቅርብ ዝክእል::ብተወሳኪ ዝተማልአ መምርሒ ሰነድ ጨረታን ዝርዝር እቲ ንብረትን ተተሓሒዙ ክቀርብ አለዎ

6 ናይ ጨረታ መዕፀዉን መከፈትን በዓል እንተዊሉ ኣብ ዝቕፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ይኸዉን

7 ኣድራሻና ኣጋአዚ ኦፕረሽን ህንፃ ድሕሪ እንዳማርያምቤተክርስትያን ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ክፍሊ ቁፅሪ 034  

8 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

9 ነዳድን ፅገናን ካብቲ በዓልዋና ሰኪፕሎደር ዝሽፈን ይከዉን

10 እታ ስኪፕ ሎደር 8 ሜኪዩብን ልዕሊኡን ዝትፅዕ ክትከዉን ይግባእ

 ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344406839/ 408501 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ትኽእሉ::

ቤት ፅሕፈትና ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ

 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo