ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እንደርታ ንኣብያተ ፅሕፈታት ንስራሕቲ ግልጋሎት ዝዉዕል መሳርሒ ህንፃ፣ ሓሸዋን ፀፀርን፣ ሲሚንቶን፣ ባህርዛፍን፣ ናይ መንደቅ እምኒ በግልፂ ጨረታ ዕድጊት ክፍፅም ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እንደርታ

ሕጋዊያን ነጋዶ ኣብቲ ጨረታ ንክትወዳደሩ ብክብሪ ይዕድም በዚ መሰረት ከማልእዎም ዝግቦኦም ረቋሕታት  ብዘፈር ንግዱ ዝምልከቶ ኮይኑ

  1. በቢዘርፉ ናይ 2008 ዓ ም ንግዲ ፍቃድ ዝሓደሰን ግብሪ ዝከፈለን ክከዉን ኣለዎ
  2. ቫት ዝተመዝገበ ኮይኑ ናይ 2008 ን ዓ ም ናይ ወርሒ ሕዳር ወርሓዊ ዲክላራሽን ከቅርብ ዝክእል
  3. ናይ መቅረብቲ ምዝገባ ሰርትፍኬት ወይንዉን ምስክር ወረቀት ከቅርብ ዝክእል ናይ 2008ን ዝሓደሰን ክከዉን ኣለዎ
  4. መለለዩ ቁፅሪ ግብሪ ቲን ነምበር ከቅርብ ዝክእል
  5. ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እንደርታ ቁፅሪ 2  ዘይምልስ 60 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል
  6. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መክበሪ ቢድቦንድ  4000 ቅርሺ ብናይ ሲፒኦ ባንኪ ዝተረጋገፀ ወይከዓ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ዝክእሉ
  7. እቲ ጨረታ 2 ለካቲት 2008 ዓ ም ሰዓት 4 ፡00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት 4፡30 ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
  8. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ኦርጂናል ወይዉን ዋና ኣብሓደ ፖስታ ኮፒ ኣብ ሓደ ፖስታ ነንበይኖም ብምዕሻግ ኣብ ሓደ ዓብዩ ፖስታ ብምዕሻግ ናብቲ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ይኣቱ
  9. ናይቲ ጨረታ ሙሉእ ኣድራሻ ፣ማሕተም ፣ፊርማን ክህልዎ ኣለዎም
  10. ቤት ፅሕፈትና ክሳብ 20% ናይ ምዉሳክን ናይ ምቅናስን መሰሉ ሕሉዉ እዩ
  11. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን በሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልዊ እዩ

ተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0342400403 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo