ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ዞባ ሰሜን ምዕራብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ነቲ ቤት ፅሕፈት አገልግሎት ዝዉዕል ጎማ መኪናን ፣ ኣቅሑት ቢሮን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ዞባ ሰሜን ምዕራብ ምምሕዳር

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዝተሐደሰ ዋናን ቅደሕን ከቅርብ ዝክእል

2 ናይ መቅረባይነት ካርድን ናይ ከፈልቲ ግብሪ መለለይ ቁፅሪን ዘለዎም ቅደሕ ገየሩ ከትሕዝ ዝክእል

3 ንተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበን ናይዚ መወዳእታ ወርሓዊ ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ቅዳሕ ገይሩ ከቅርብ ዝክእል

4 ጨረታ ካብ 21/08/2012 ዓም ጀሚሩ ክሳብ 05/09/2012ዓም ኣብ ዘሎ እዋን ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ቤት ፅሕፈት ዞባ ሰሜን ምዕራብ ምምሕዳር ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናስን ምምሕዳር ንብረትን ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ክትወስዱ ትክእሉ

5 ናይ ጨረታ መክበሪ 5100 ቅርሺ ብጥረ ገንዝብ ወይድማ ብዝትጋገፀ ቼክ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

6 ጨረታ 05/09/2012ዓም ሰዓት 8፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት 8፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

7 ጨረታ ሰዓራይ ምካኖም ምስተገለፀሎም ድሕሪ 5ተ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር አለዎ

8 እቲ ቤት ፅሕት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኵን ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐወ እዩ

9 ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344443868 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo