ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቆላ ተምቤን ሓባራዊ ዒላ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክሰርሕ ይደሊ ስለዚ ኣብቲ ጨረታ ክሳተፉ እትደልዩ ሕጋዉያን ተወዳደርቲ ንክትወዳደሩ ይዕድም

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወ/ቆ/ተምቤን
  1. አብቲ ግልፂ ጨረታ ዝተጠቐሰ ሞዴል/ Specification/ ምስራዝ አይካአልን
  2. ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ብናይ ማይ ተንከፍ ስራሕቲ ደረጃ 7 ን ልዕሊኡን ዘለዎን ኮይኑ እቲ ተታሒዙ ዘሎ ስፐስፊኬሽን ብድምር ኩዒቱ ክነድቅ ዝክእልን በቲ ዝተመልአ ዋጋ ድማ አብ ተን ዝተጠቀሳ ጣብያታት ከስርሕ ዝክእል
  3. እቲ ጨረታ ፀኒዑ ዝፅንሐሉ 60 ን መዓልቲ እዩ
  4. እዚ ግለፂ ጨረታ ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብዘለዎ ይኽፈት በቲ ዝተባሃለ እዋንን ቦታን እንድሕር ዘይተረኺቡ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብዘይለዉሉ ዝኽፈት ምኻኑ::
  5. ንሐደ ደኩመንተ ዘይምለሰ ብር 100 /ሐደ ምኢቲ/ ከፊሉ እቲጨረታሰነድካብ  ቤ/ ፅሕፈትናእቶት ኤጀንሲ ወረዳ ቆላ ተምቤን ክፍሊት ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቆላ ተምቤን ብምዉሳድ ዝቐረበሉ ዋጋ ብምምላእ እቲ ሰነድ ዝሽወጠሉ እዋን ካብ ዕለት 10 /05 /2008 ዓ/ም  ክሳብ  01 /06/ 2008 ዓ/ም ኮይኑ ዋንኡን ኮፒኡነ  ብሰምዒ ወይ ዝጠንከረ መጣበቂ ተዓሺጉ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ክልተ ኮፒ ሓደ ኦርጅናል ብምምፃእ ነዚተባሂሉ ዝተዳለወ ናይጨረታ ሳፁን ምእታዉ ይከኣል
  6. ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕሸገሉ ዕለት 01 /06/ 2008 ዓ/ም ሰዓት  8:30  ኮይኑ በዚ ዕለትሰዓት  8:45  ናይ ንጎሆ ይኽፈት መክፈቲ ቦታኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቆላ ተምቤን::
  7. ተጫረትቲ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ መኽበሪ ጨረታ ዝኽዉን ብር  15000/ ዓሰርተ ሐሙሽተን ሽሕ ብር/ ብ CPO ጥራሕ ከትሕዝ ዝክእል ::
  8. እቲ ግለፂ ጨረታ ናይ በዓለ ዋና ማህተምን ፊርማን ክህልዎ አለዎ ናይ መሽነሪ ኤክስካቫተር ወናኒ ዝኮነ ወይ ሕጋዊ ዉክልና ክራይ መረዳእታ ዘለዎ
  9. ነቲ ኤክስካቫተር መጎዓዓዚ ማለት መምፅእን መምለስን ከምኡዉን ነዳዲ ኩሉ ባዕሉ ክሽፍን ዝኽእል::
  10. ኣብ ስራሕ እዋን ንዝገጥም ብልሽት ናይ ኤክስካቫተር ሎቬየድ ባዕሉ ክፅግን ዝኽእል::
  11. እዚ ግልፂ ጨረታ  ቤ/ፅ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወእዩ
  12. እዚ ግልፂ ጨረታ እዚ ከም ሕጋዊ ዉዕሊ የገልግል
  13. ናይ 2007  ዓ/ም ሙሉእ ግብሪ ዝኸፈለ ወይ 2008 ዓም ንግዲ ፍቓድ ዘሐደሰን
  14. ናይ ግብሪ ከፈልቲ መለለይ ቁፅሪ  /ቲን ካርድ /  ዘለዎን ናይ መቅረባይነት መረዳአታ ከቕርብ ዝኽእልን ቫተ ዝተመዝገበን እዋናዊ ዲክለረሽን መረዳአታ ከቕርብ ዝኽእል::

ንተወሳኺ ሓበሬታ ስ.ቁ    0344460052

 

 

 

 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo