ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገድን መጓዓዝያን ክልል ትግራይ ኣብ 2012ዓ/ም በጀት ዓመት ን ኣጎልግጋሎት እቲ ቢሮ ዝዉዕል ዝተፈላለዩ ናይ መካይን መለዋወጢ ኣቅሑት ምድብ 1 ፣ ኤሌክትሮኒክስ ምድብ 2፣ ኣቅሑት ቢሮ ምድብ 3፣ ግልጋሎት ዝዉዕል ኣቅሑት ካብ ሕጋዉያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕደግ ይደሊ

ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገድን ትራንስፖርትን ክልል ትግራይ

1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመን ዝተሓደሰን ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም፣

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለሊይ ቁፅሪ ዝተመዝገበኩምሉ ቲን ሰርቲፍኬት ክተቅርቡ ትክእሉ፤

3 ናይ ዘመን ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ሰርቲፊኬት ዘለኩም፤

4 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ VAT ዝተመዝገበን ናይዚ ዓመት ግብሪ ዝከፈልኩምን ናይ ዝከፈሎ ናይ ወርሒ መጋቢት 2012 ዓ/ም ድክለረሽን መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

5 ተጫረቲ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ እናከፈልኩም ካብ ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገዲ መጋዓዝያን ክልል ትግራይ ዳ/ዕ/ፋ/ም/ንብረትን ኣብ ሓበራዊ ህንፃ 3ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 171 ካብ 23/08/2012ዓ/ም ክሳብ 13/09/2012ዓ/ም ሰዓት 4:00 ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት እናመፃእኩም ናብ ዝተዓሸገ ሳንዱቅ ጨረታ ፖስታኩም ክተእትው ኣለኩም፤

6 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መክበሪ 5000.00 ቅርሺ ብ ሲፒኦ(CPO) ወይ ድማ ናይ ባንኪ ወሕስና ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ይክእሉ፤

7 እቲ ጨረታ 13/09/2012 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገድን መጓዓዝያን ክልል ትግራይ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ ንብ/ምም ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ተወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ኣብ ሳልሳይ ደብሪ ቁፅሪ 171 ይክፈት :: ተጫረቲ ወይ ተወከልቶም እንተዘይተረኪቦም እቲ ጨረታ ንምክፋት ኣይታዓናቐፍን፤

8 ጨረታ ሰዓራይ ተባሂሉ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ 3ተ ናይ ቅሬታ ማዓልቲ ኣብ ዉሽጢ 3 ናይ ስራሕ ማዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል፤

9 ካብ ጠቅላላ ዝሰዓሮ ዋጋ 10 ሚእታዊ ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ስፒኦ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ወይ ብጥረ ገንዝብ መከበሪ ዉዕሊ ዉሕስና የትሕዝ፤

10 በቲ ቢሮ ተዳልዩ ዝተወሃበ መዐቀኒ (ስፐስፊከሽን መሰረት) : ብፅሬትን መጠንን ብጊዜን ብዉዕሊ መሰረትን ኣብ ውሽጢ ተከታተልቲ 15 መዓልቲ ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ንብረት ብናይ ወፂኢ ባዕሉ መጎዓዝያ ወፃኢ ናብቲ ቢሮ ከረክብ ዝክእል፤

11 መወዳደደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብዝተዓሸገ ፖስታ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፌርማን ክህልዎ አለዎ፤

12 እቲ ዝቀረበ ንብረት ብበዓል ሞያ ተራእዩ ዋና /ኦርጂናል/ ምዃኑ ተረጋጊፁ እቲ ቢሮ ኣታዊ ከምዝገብሮ ክገልፅ ይደሊ፤

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-411052 ደዊልኩም ምሕታት ይካኣል፤

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo