ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ማይጨዉ ን2012ዓ/ም ንቤት ፅሕፈታት ግልጋሎት ዝዉዕሉ ፣ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑት ፣ ፍርናሽን ኮቦርታን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ማይጨዉ

1 በቲ ዘፈር ንግዲ ናይ 2012ዓ/ም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲን ቲን ናምበር ክቕርብ ዝኽእል

2 ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ መቕረባይነት ካርዲ ዘለዎ

3  ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮንኩም ናይ ወርሒ ለካቲትን መጋቢትን ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ እተቅርቡን

4 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋባይ ምስክር ወረቀት ከቅርብ ዝክእል

5 መጠን መኽበሪ ጨረታ መሳርሒ ፅሕፈት 5000 ቅርሺ ፣ ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑት 4000 ቅርሺ ፣ ፍርናሽን ኮቦርታን 5000 ቅርሺ ብCPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝኽእል

6 ናይ ጨረታ ሰነድ ዋጋ ዘይምለሰ ብር 30 ብምኽፋል ካብ ዕለት 21/08/2012 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 06/09/2012ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ቅ/ቀትሪ  አብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ ከተማ ማይጨዉ ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ብምዉሳድ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ዝተዉሃበ ሰነድ ኦርጅናል ምስ ስፔስፊከሽን ማህተምን ፌርማን ብምዕራፍ ናይ ዋጋ ዝተመልኡ ሰነድ ኮፒን ከእትዉ አለዎም

7 እቲ ጨረታ ሳንዱቕ ዕለት 06/09/2012 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ከተማ ማይጨዉ ትልምን ፋይናንስን ይኽፈት

8 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

9 እቲ ቤት ፅሕፈት 20% ናይ ምዉሳኽን ምቅናስን መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

10 ጨረታ ፀንዑ ዝፀንሐሉ ግዜ 45 ማዕልቲ ይኽዉን

11 ትራንስፖርት ባዕሉ ናብ ከተማ ማይጨዉ ትልምን ፋይናንስን ቤት ስቶር ካምፅእ ዝኽእል

12 ንተወሳኺ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03 47 77 01 23ምሕታት ይካአል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo