ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ነቲ ቢሮ ግልጋሎት ዝዉዕል ስራሕቲ ሕትመት ፣መሳርሒ ፅሕፈት ፣ኣቁሑት ፅሬት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ ንተወዳደርቲ ይዕድም

ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቋሒ ታት

  1. ናይዚ ዘበን ግብሪ መንግስቲ ዝከፈልኩም
  2. ፍቃድ ንግዲ ዘሐደስኩምን
  3. መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ መረዳእታ ክተቅርቡ ትክእሉ
  4. ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምን ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2008 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉን
  5. መቅረባይነት ዝተመዝገበኩምን መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉን
  6. መክበሪ ጨረታ ንመሳርሒ ፅሕፈት 20,000 ቅርሺ ንስራሕቲ ሕትመት 15000 ቅርሺ ንመሳርሒ 10000 ቅርሺ ብሲፒኦ  ክተትሕዙ እትክእሉ
  7. ሰነድ ጨረታ ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ  ሓደ ዋናን ሓደ ቅዳሕን ንዚ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ደጋፊ ከይዲ ስረሕ ዕደጋ  ቁፅሪ ቢሮ 3 አብ ናይ ስራሕ ሰዓት ምእታዉ ትክእሉ
  8. እቲ ጨረታ ካብ 12 ጥሪ 2008 ዓም ጀሚሩ  ን 15ተ መዓልቲ አብ ኣየር ዝፀንሕ እንትከዉን 26 ጥሪ  2008 ዓም ሰዓት 3፡ 30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4 ፡00 ቅድሚ ቀትሪ ይክፈት
  9. ጨረታ ዝሰዓረ ትካል ብዝተዉሃቦ መዐቀኒ ረቋሒ መሰረት ዘቅርብን መወዳደሪ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሓዊሱ ከቅርብ ይግባእ
  10. ኣብ መወዳደሪ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከይሓወሰ ዘቅርብ ተጫራታይ  ተወሳኪ እሴት ታክስ ከምዝሓወሰሉ ይዉሰዱ
  11. ተጫራታይ ብመዐቀኒ ረቋሒ መሰረት ጥራሕ ከቅርብ ዝክእል ኮይኑ መቅረባይ ትካል ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ናብ ቢሮ ሓለወ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣታዊ ይገብር
  12. ሰዓራይ ትካል ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ንመሳርሒ ፅሕፈትና ኣቁሑት ፅሬትን ኣብ ዉሽጢ 20 መዓልቲ ኣታዊ ዝገብርን ዉሕስና ንዘድልዮም ኣቁሑት ድማ ዉሕስና ከቅርብ ዝክእል ኮይኑ ንስራሕቲ ሕትመት ኣብ 45 መዓልቲ ንስራሕቲ ፓድ ኣብ 90 መዓልቲ ዉሽጢ በብግዚኡ ኣታዊ ይገብር
  13. ነዚ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ቁፅሪ ቢሮ 42 ንነፍስወከፍ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ትክእሉ
  14. ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ኣብ ነፍስወከፍ ንብረት 20 ሚኢታዊ ክዉስክን ክንክን ይክእል እዩ
  15. ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ዝሓሸ ኣመራፂ  እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ  ብቁፅሪ ስልኪ 0344400451 /0348409782 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo