ቤት ፅሕፍት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ አስገለ ፅምብላ ካብ በጀት ዓመት 2008 ዓ ምናይ ማይ ተንከፍ ፕሮጀክት ቼክ ዳም ማለት እዉን ቅብብሎሽ ቼክ ዳም ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕን ስለዝደለየ ነዞም ዝስዕቡ ረቁሕታት ተማልኡ ተጫረቲ ቀሪብኩም ንክትወዳደሩ ይዕድም

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ግብሪ  መንግስቲ ከፊሉ ናይዚ ዘበን ፍቃድ  ንግዲ ዘሐደሰ

2 መረዳእታ መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለዎ

3 ናብ ዝርዝር መቅረባየነት ዝተመዝገበን ዘሐደሰን

4 ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋባይ  ኮይኑ ናይ ወርሒ ሕዳር 2008 ዓ∙ ም ቫት ሪፖርት ከቅርቡ አለዎም

5 ኩሉ ዝተሓተተ መረዳእታ ዋናን ቅዱሑን  ከቅርብ ዝክእል

6 ደረጃ 7ን ልዕሊኡን ብማይ ተንከፍ ኮንስትራክሽን ዝተሓደሰ ንግዲ ፈቃድ ዘለዎ

7 ብስራሕቲ ኮንስትራክሽን ማይ ዝተሓደሰ ወረቀት ምስክር ዘለዎ

8 ስረሕቲ መሰረት ዲዛይን ሰሪሑ ከረክብ ዝክእል

9 ዝተማልአ ሰነድ ጨረታ አድላዩ መረዳእታ ናይቲ ፕሮጀክትሓደ ፖስታ  ዋና ክልተ ፖሰታ ቅዳሕ በበይኑ ብሓደ ዓብዩ ፖስታ ተዓሺጎም ናይ ዝወዳደርሉ ፕሮጀክት ሽም ብማርከር ብምፅሓፍ ንነፍስወከፍ ፖስን ሰነድን ማሕተም ፊርማን ብምዕራፍ ከቅርቡ አለዎም

10 ተጫራታይ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መክበሪ ጨረታ ወይንም ቢድቦንድ ብሲፒኦ 20,000 ቅርሺ ከትሕዝ ዝክእል

11 ተጫራቲ እዚ ምልክታ ጨረታ  ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን  ፋይናንስን ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን  ምምሕዳር  ንብረትን  ብምዉሳድ ዝርዝር ዋግኡ መሊኡ  ኣብቲ ከይዲ  ስራሕ ዝተዳለወ ሳነዱቅ ጨረታ ኣታዊ  ክገብር ዝክእል

12 እቲ ጨረታ ክፍቲ ኮይኑ ዝፀንሐሉ ካብ 2 ጥሪ 2008 ክሳብ 23 ጥሪ  2008 ዓ ∙ም ሰዓት 4 ፡00 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ዘሎ መዓልትታት ኮይኑ  ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ 23  ጥሪ  2008 ዓ ∙ም ሰዓት 4፡ 00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት  ልክዕ ሰዓት 4 ፡30 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ  ወይንድማ  ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ   ኣብቲ ቤት ፅሕፈት  ብግልፂ ይክፈት

13 እቲ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ንተከታተልቲ 30 መዓልትታት ኮይኑ መቅረባይ ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ ዝተዉሃቦ ግዘ ፅሬት ዘለዎ ስራሕ ሰሪሑ ከረክብ ይግባእ
14  እቲ ቤት ፅሕፈትነና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ  0346610255   ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ ።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo