ቤት ፅሕፈት ከተማ ልምዓት ከይዲ ስራሕ ከባቢያዊ ልምዓት ክ/ ከ/ ቀ/ ወያነ ን 1ይ ወያነ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ (ብልሙድ ገረብ ፀዶ 2ይ ብርኪ ቤት ትቲ ) ብናይ ቢሮ ትምህርቲ ስታንዳርድ መሰረት ዝተፈላለዩ ዓይነት ፈርኒቸራት(ጠረጴዛ፣ መንበቢ ወንበር ፣ሸልፍ፣ ፀሊም ሰሌዳ ) ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለ ዝደለየ ሕጋዊ ፍቃድ ዘለኩም ንክትሳተፉ ይዕድም

ቤት ፅሕፈትና ከተማ ልምዓት ክ/ከተማ ቐ/ወያነ

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቀሒ

  1.  ናይ ገዛን ቢሮን ኣቁሑት መምረቲ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም
  2. ናይ 2008 ዓም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሱ
  3.  TOT ወይም VAT ምዝጉባት ዝኮኑ
  4.  ንግዲ ፍቃድ ምዝገባ ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይ TOT(ተመዝጋቢ ንዝኮኑ) መለለዩ ግብሪ ከፋላይነት(ቲን ነምበር) ን ካልኦት ንጨረታ ዝጠቅመሙ መረዳእታታት ምስ ዋና ዝተገናዘቡ ፎቶ ኮፒ ከቅርብ ዝክእል
  5.  ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁ ፈርኒቸራት ዝገዝእ ትካል ኣብ ጣብያ ኣዲስ አለም ክ/ ከ /ቀ ወያነ ቤት ፅ /ት ከተማ ልምዓት ከይዲ ስራሕ ከባቢያዊ ልምዓት (ጥቃ ናይ ኩሓ ታክሲ መሰፈሪ ዘሎ ምካኑ ፈሊጡ ዝሳተፍ
  6.  ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ሓፈሻዊ ዋጋ (ቫት/ቲኦቲ ሓዊሱ) ብምምላእ ብዝግባእ ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ቢሮ ቁፅሪ 7 ከእትዉ ኣለዎ
  7.  እቲ ፈርኒቸር ምስተሰረሐ ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርት ናብ ቢሮ ን 1ይ ወያነ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ከቅርብ ዝክእል
  8.  መጀመርየያ መርኣያ ከቅርብ ዝክእል
  9.  ብበዓል ሞያ ተራእዩ ርክክብ ዝፍፀም ምካኑ
  10.  እቲ ጨረታ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 7 ዕለት 13 /05 /2008 ልክዕ ሰዓት 9፡ 30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 10፡00 ተጫረቲ ወይሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝትረከብሉ ዝክፈት ኮይኑ ግና ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም እንተዘይተረኪቦም ቤት ዕዮና ጨረታ ፖስታ ምክፋት መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
  11.  ተጫረቲ ዝርዝር ስፔስፊኬሽን ዝሓዘ ናይ ጨረታ ሰነድ ብር 30 ብምክፋል ካብ ቢሮ ቁፅሪ 7  ኩሉ ግዘ ኣብ ስራሕ ሰዓት መፂኦም ምዉሳድ ዝክእሉ
  12.  ቤት ዕዮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኩቡ ንቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
  13. ኣብ ዝሓፀረ እዋን ብዉዕሊ መሰረት ሰሪሑ ከቅርብ  ዝክእል

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0914749420 /0914767349 ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo