ቤት ፅሕፈትን ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት ናይ ቤት ፅሕፈት ልምዓት ማይ ሃፍቲ መዓድንን ኢነርጅን ወረዳ ወልቃይት ኣብ 2008 በጀት ዓመት ሎት1 ሓደ ቼክ ዳም ኣብ ጣብያ ደጀና፡ ሎት 2 ኣርባዕተ ናይ ሓባር ዒላ ወፈርግ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ብናይ ኤስኤምፒ በጀት ብደረጃ 8ን ልዕሊኡን ናይ ማይ ስራሕ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

ቤት ፅሕፈትን ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት

ብመሰረት እዚ ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረ ቋሒ

  1. ናይ 2008 ዓም ዝተሓደሰ በቲ ዘፈር ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም
  2. ኣብ 2008 ዓም ዝተሓደሰ በቲ ዘፈር ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ከቅርብ ዝክእል
  3. ናይ መለለዩ ቁፅሪ ወይድማ ቲን ነምበር ን ፣ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይድማ ቫትን ምስክር ወረቀት ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል
  4. ናይ ወርሒ ሕዳር 2008 ዓም ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል
  5. ካብ ሚኒስቴር ሃፍቲ ማይ ወይድማ ካብ ክልል ቢሮ ሃፍቲ ማይ መዓድንን ኢነርጅን ዝትዉሃቦም ደረጃ 7ን ልዕሊኡን ናይ ብቅዓት መረጋገፂ ምስክር ወረቀት ዋናን ቅዳሕን ከቅርቡ ዝክእሉ
  6. እቲ ሰነድ ከይተነፀለናይ ተጫራታይ ፊርማን ማህተምን ዓሪፍዎ ብፖስት ተዓሺጉ ክቀርብ ኣለዎ
  7. ነቲ ዝካየድ ጨረታ መከበሪ ዝዉዕል ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ንቼክ ዳም 5000 ቅርሺ ከመኡዉን ንሓባር ዒላ 3000 ቅርሺ ንነፍስወከፎም ብጥረገንዘብ ወይድማ ብሲፒኦ ወይዉን ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዝ ዝክእል
  8. እቲ ጨረታ ተከፊቱ ሰዓራይ ምስተገለፀ ናይ ዝሰዓሮ 10 ሚኢታዊ ኣትሒዙ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል
  9. ሰነድ ጨረታ ካብ 3 ጥሪ 2008 ዓም  ክሳብ 19 ጥሪ 2008 ዓም ኣብዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓትን መዓልትን ዘይመለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንሰን ምምሕዳር ንብረትን እናወሰዱ ሓደ ዋናን ክልተ ቅዳሕን በበይኖም ብፖስታ ዓሺጎም ኣብ ልዕሊ እቲ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ  ተፃሒፉ ኣብ ሓደ ዓብዩ ፖስታ  ተዓሺጉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንሰን ምምሕዳር ንብረትን ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቅ ከእትዉ ኣለዎም
  10. እቲ ጨረታ 19 ጥሪ  2008 ዓ ም  ሰዓት 4 ፡00 ናይ ንጉሆ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4 ፡30  ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
  11. እቲ ቤት ፅሕፈት ካልእ ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይንድማ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

 

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብሞባይ  ቁፅሪ 0914498497/  0913752211 /0913870684 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo