ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ብናይ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ፅሕፈት በጀት ዝክፈል ዝተፈላለዩ መሳርሒ ፅሕፈት ፣ ናይ ኤሌክትሪክን ፣ ናይ ኮምፒተርን ኮምፒተር ኣክሰሰርን፣ ኣቅሑት ፅሬት ፣ ኣቅሑት ናዉቲ ቢሮ/ፈርኒቸር/ ፣ ከምኡ እዉን ብናይ ቤት ፅሕፈት ማይን ማዓድንን ኢነርጅን ብናይ መደበኛ በጀት ዝክፈል ኣብ ጣብያ ዝባን ገደና ዝስራሕ ናይ መስኖ መሰጋገሪ ማለት እዉን ክሮሲንግ ካናልን ኣብ ዝተፈላለዩ ጣብያታት ዝስራሕ 12 ማእኸለዎት ጎዳጉዲ መስተ ማይን ከምኡዉን ብናይ SLMP በጀት ዝኽፈል 2ተ ናይ ሓባር ዒላታት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለ ዝደለየ ነዞም ቅድም ኢሎም ዝተገለፁ ዝምልከት ፍቃድ ንግዲ ዘለኩምን ነቲ ናይ መስኖ መሸጋገሪ ማይ ማለት እዉን ክሮሲንግ ካናል ናይ ማይ ተንከፍ ስራሕቲ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም ደረጃ 10 ደቀቕቲ ዝኮንኩምእተን 12 ማእኸለዎት ጎዳጉዲ ደረጃ 6ተን ልዕሊኡን ከምኡ ዉን ነተን 3ተ ናይ ሓባር ዒላ ደረጃ 11 ደቀቅቲ ዝኮንኩም ነዞም ዝስዕቡ ዝተዘርዘሩ ረቃሕታት እተማልኡ ኮንትራክተራት ክትወዳደሩ ይዕድም

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ

1 ሙሉእ መረዳእታ ማለት እዉን ናይ 2011ዓ/ም ግብሪ ዝከፈሉም ናይ 2012ዓ/ምናይቲ ዘፈር ፍቃድ ንግዲ ዝተሓደሰ

2 ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩም ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2012ዓ/ም ሒሳብ ዘወራረድኩምሉ መረዳእታ

3 ናይ ከፈልቲ ግብሪ መለለይ ቁፅሪ ቲን ናምበር ተመዝገብቲ ዝኮንኩም

4 ተጫረቲ ብርኪ ትካል ዘቅርብ ካልኦት ሰነዳት ብኮንትራክተር ዝተመልአ ሓደ ዋናን ክልተ ቅዳሕን ሰለስተ ፖስታታት ኣብ ሓደ ዓቢይ ፖስታ ብምዕሻግ ከምኡ እዉን ቴክኒካል ሰነድ አብ ዝተዳለየ ሳንዱቅ ጨረታ ትክክለኛ ግዜ ከተእትዉ እትክእሉ

5 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ምም/ርን ክትወስዱ ትክእሉ

6 ተጫረቲ መኸበሪ ጨረታ ብቢድ ቦንድ ወይ ጥረ ገንዘብ ወይ ብዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ስፒኦ ንኣቅሑታት 3000.00 ቅርሺ ንእተን 12 ማእኸለዎት ጎዳጉዲ 15001.00 ከምኡ እዉን ንእተን 2ተ ናይ ሓባር ዒላታት 3000.00 ቅርሺ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ከትሕዙ ኣለኩም

7 እቲ ጨረታ ካብ 16/07/2012ዓ/ም ክሳብ 01/08/2012ዓ/ም ኣብ ኣየር ይፀንሕ 01/08/2012ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡30 ቴክኒካል ዉፅኢት ዝክፈት እንትኸዉን ድሕሪ 3ተ ቅርታ መዓልትታት ድማ ፋይናንሻ ዉፅኢት 04/08/2012ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኮልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ይክፈት ቴክኒካል ዝሓለፉ ጥራሕ ፋይናንሻል ይወዳደሩ

8 ጨረታ ምስተከፈተ ተጫረቲ ኣብ ዘቅረብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ለዉጢ ወይ ምምሕያሽ ምግባርን ካብቲ ጨረታ ንነብሶም ምግጋል ኣይከኣልን

9 ተጫረቲ ሲዒርካ ተባሂሉ ካብ ዝተነገሮም ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእልን ጨረታ ሰዓራይ ምካኑ ምስተፈለጠ ኣብ ጠቅላላ ዝሰዓሮ መጠን ገንዝብ 10 ሚእታዊ መክበሪ ዉዕሊ ከትሕዝ ዝክእል

10 መገዝኢ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 30 ቅርሺ እዩ

11 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0345500231/03 45 50 00 05

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo