ዓዲግራት ጀነራል ሆስፒታል ንሆሰፒታሉ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ፃዕዳ ጣፍ መድሓኒትን ናዉቲ መድሓኒትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ዕድጊት ክፍፅም ይደሊ

ዓዲግራት ጀነራል ሆስፒታል

ስለዚ ካብዚ ንታሕቲ ብዝርዝር ዝቀረቡ ረቋሕታት እተማልኡ ሕጋዉያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ብክብሪ ይዕድም

  1. ናይ 2008 ዓም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሱን ናይ መንግስቲ ግብሪ ዝከፈሉን ክኮኑ ኣለዎም
  2. ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ሰርትፊኬት ከቅርቡ ዝክእሉን ከመኡዉን ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለዩ ቁፅሪ ዘለዎምን ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝጉባት ክኮኑ ኣለዎም
  3. እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለተ ክሳብ 3 ጥሪ 2008 ዓም  ክሳብ 12 ጥሪ 2008 ዓም ካብ ከይዲ ስራሕ ፋይናንስን ንብረትን ምምሕዳርን ዓዲ ግራት ጀነራል ሆሰፒታል ብግንባር  ብምቅራብ ናይቶም ንዉድድር ዝቀረቡ ንብረት መዐቀኒ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ናብ ዝተዳለወ ናይ መወዳደሪ ሳንዱቅ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ፖስታ ምእታዉ ይከኣል
  4. ተጫረቲ  ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ናይ ጨረታ መክበሪ ንነፍስወከፍ ዓይነት ጨረታ 5,000 ቅርሺ ብጥረገንዘብ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዙ ዝክእልን
  5. ጨረታ መሸነፊ ዉዕል ክኣስሩ ኣብ ዝተዉሃቦም ናይ 5 መዓልቲ ግዘን ገደብ ዉሽጢ ቀሪቦም ናይ ዘሸነፍዎ ንብረት ዋጋ 10 ሚኢታዊ ዉዕሊ መክበሪ ትሕጃ ብምትሓዝ ምስከይዲ ስራሕ ፋይናንስን ዕደጋ ንብረት ምምሕዳርን ዓዲግራት ጀነራል ሆስፒታል ናይ ሓባር ዉዕሊ ምእሳር ግቡእ ኣለዎም
  6. እቲ ጨረታ 12 ጥሪ 2008 ዓም ሰዓት 9 ፡00 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ በዚ ዕለት 12 ጥሪ 2008 ዓም ሰዓት  9 ፡30 ድሕሪ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም  ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ዓዲግራት ጀነራል ሆስፒታል  ኣብ ከይዲ ስራሕ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር  ከተማ ዓዲግራት ይካየድ
  7. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ ኣመራፂ  እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ሓበሬታ  ብቁፅሪ ስልኪ 0344452201 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo