ቤት ማዛጋጃ ከተማ ፍረወይኒ ኣብ ዓመት 2012 ዓ/ም ናይ መስመር ፅርግያ ኣንቡላንሳ ፣ ቫላንስ ፣ ሲሰስ ሆልደር ፣ ይግናይተር በዓል 3ተ ተርሚናል ፣ ፓዉዛ ምስ ሙለእ መሳርሒ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዚ ነዞም ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትዋዳደሩ ንዕድም።

ቤት ማዘጋጃ ከተማ ፍረወይኒ

1 ናይ ዝወዳደርሉ ዘፈር ንግዲ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ኣብቲ ጨረታ ዝኽፈተሉ መዓልቲ ቅዳሕ ዘቅርብ፤

2 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ዘትሕዝ፤

3 ሰነድ ጨረታ ዝውሃበሉ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ 17/07/2012ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 01/08/2012ዓ/ም ንተኸታታሊ 15 ማዓልትታት ይኸውን።

4 ሰነድ ጨረታ ዝዕፀወሉ 01/08/2012ዓ/ም ሰዓት 5:00 ኾይኑ ዝኽፈተሉ ድማ በቲ ዕለት ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ 5:30 ይኸውን።

5 ጨረታ መኸበሪ ብሲፒኦ ወይድማ ብጥረ ገንዘብ 10% ምስ ሰነድ ጨረታ ናብቲ ሳንዱቅ የእቱ።

መተሐሳሰቢ ዝርዝር መምርሒ ጨረታ ምስ ሰነድ ጨረታ ዝሽየጥ ምዃኑ ንሕብር።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-470283 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo