ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እምባ ኣላጀ ንቲ ወረዳ ግልጋሎት ዝዉዕል መሳርሒ ህንፃ ብጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ

ቤት ፅሕፈተ ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እምባ ኣላጀ
  1. ስለዚ ሰነድ ጨረታ ካብ 26 ታሕሳስ 2008 ዓም ክሳብ 11 ጥሪ 2008 ዓም ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን እታ ወረዳ ምዉሳድ ይከኣል
  2.  ዝተሓደሰ መረዳእታ ፍቃድ ንግዲ ናይ 2008 ዓም ከቅርብ ዝክእል
  3.  መረዳእታ ከፋላይ ግብሪ ከቅርብ  ዝክእል
  4.  ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነ
  5.  ናይ ወርሒ ሕዳር መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
  6.  መረዳእታ ዝተሓደሰ መቅረባይነት 2008 ዓም ከቅርብ ዝኸእል
  7.  መክበሪ ጨረታ 10,000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብሰፒኦ ከትሕዝ ዝክእል
  8.  ኣብ በዝሒ 20% ምዉሳክ ወይ ምቅናስ ከምዝከእል ድማ ክፈልጥ ኣለዎ
  9.  ሳንዱቅ ጨረታ 11 ጥሪ 2008 ዓም ሰዓት 4 ፡00 ተዓፅዮ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡ 30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
  10.  ኣብ ከይዲ ጨረታ ንምድንጋር ዝፍትን ተወዳዳሪ ብሕጊ ተሓታቲ ከምዝከዉን ክፈልጥ አለዎ
  11.  ኣብ ግዘ ጨረታ ግልፂ ዘይኮነ ብፅሑፍ ምሕታት ይከኣል እዩ
  12.  እቲ ሰነደ ጨረታ ስርዝ ድልዝ እንተሃሊዎ ናይ ተጫራታይ ማሕተምን ፊርማን እንተዘይዓሪፍዎ ካብቲ ጨረታ ይስረዝ
  13.  ሰነድ ጨረታ ዋና ምስ ቅዳሕ ኣብ ክልተ ፖስታ ከቅርቡ ኣለዎም
  14. እዚ ዋጋ ን 30 መዓልቲ ፀኒዑ ይፀንሕ
  15. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል  ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344210391/  0344210276 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo