አብ ወረዳ መደባይ ዛና ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ኣብ ናይ 2008 በጀት ዓመት ኣጫሪቱ ከስርሕ ይደሊ

ወረዳ መደባይ ዛና ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን

ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ወራ መደባይ ዛና ከተማ ሰለክለካ ናይ ምምሕዳር ቤት ፅሕፈት 2ይ ደብሪ ህንፃ ህንፀት ስራሕቲ ንምስራሕ ብደረጃ 6 GC/BC  ብርኪ ፍቃድ ተኮናተርቲ ብግልፂ ጨረታ ኣጫረቲ ከስርሕ ይደሊ

ተጫረቲ ኣብዚ ጨረታ ንምስታፍ  እዞም ዝስዕቡ ረቋሕታት ከማልኡ አለዎም

  1.  ናይ 2008 ዓም ናይ ስራሕ ግብሪ ዝከፈልሉን ዘሐደስሉን  መረዳእታ ከቅርቡ አለዎም
  2.  ኣብ ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገድን ትራንስፖርትን ክልል ትግራይ ዝርከብ ቀንዲ ከይዲ
    ስራሕ ኮንስትራክሽንን ቁፅፅርን ምዝገባን ፍቃድ ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ
  3.  ናይ ቫት ምዝገባ ወረቀት ምስክርን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ናይ ቫት ዲክለረሽን መረዳእታ ዘለዎም
  4.  ተጫረቲ መክበሪ ጨረታ 40000 ቅርሺ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ሲፒኦ ከቅርቡ አለዎም
  5.  ሰዓራይ ጨረታ ድሕሪ ምሽናፉ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ መክበሪ ዉዕሊ ካብ ጠቅላላ ዘሸነፎ ገንዘብ 3 ሚኢታዊ ከትሕዝ ዝክእል ምካኑ ከፍልጥ አለዎ
  6.  ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ህንፃ ስራሕቲ ፕሮጀክት ዉዕሊ ካብ ዝተፈለፀመሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 180 ተከታታልቲ መዓልቲ መሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም  ከረክቡ ዝክእሉ
  7.  ኩሎም ተጨረቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 4 ጥሪ 2008 ዓም  ጀሚሩ ካብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽን መንገድን ትራንስፖርትን ወረዳ መደባይ ዛና ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትርክሽን ህንፃ ቁፅሪ 16 ኣድላዩ መረዳእታ ብምሓዝ 250 ቅርሺ እንዳከፈሉ ክወስዱ ይክእሉ
  8.  ተጫረቲ ናይ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ዋጋ ዝሓዘ ሰነድሓደ ዋና ክልተ ቅዳሕን ሰነዳት ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ምስተዓሸጉ ኦርጅናል ኮፒን ኢልካ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ፖስታታት ብማርከር ብምፅሓፍ  ማሕተፍ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተዓሸገ ክዓርፎ ብምግባር ዳግም ኩሎም አናእሽተይ ፖስታታት ኣብ ካልእ ዓብዮ ፖስታ መሊሶም ብምዕሻግ እቲ ዕሻግ ማህተም ክዓርፎ ብምግባር ንዝጫረትሉ ፕሮጀክት ሽምን ኮንትራክተርን ኣድራሻን ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብዩ ፖስታ ብማርከር ብምፅሓፍ ንቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ህንፃ ቁፅሪ 16 ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ ዕለት 23 ጥሪ 2008 ዓም ሰዓት 3፡00 ናይ ቅድሚ ቀትሪ ብኣካል ብምምፃእ ከእትዉ  ይክእሉ
  9.  ተጫረቲ ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝተትሓዝሉ ስራሕ ዝርዝር ብትክክል ዋጋ መሊኡም ኣብ ሕድሕድ ገፅ አቲ ጨረታ ዶክመንት ሰነድ ፈሪሞም ሓቲሞምን ቅደም ሰዓብ እቲ ሰነድ እንተይኣዛብዑ እቲ ሰነድ ከምቲ ክሽየጥ ከሎ ዝነበረ ከይኣጋደሉ ከቅርቡ አለዎም ዝተጋደለን ብትክክል ዘይተማልአን   ።ቅደም ሰዓብ ዝተዛብዐን ጨረታ ሰነድ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይከዉን
  10. እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ  ዕለት 23 ጥሪ 2008 ዓም  ልክዕ ሰዓት 3፡ 30 ናይ ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትርክሽንን መንገድን ትራንስፖርትን ወረዳ መደባይ ዛና ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይንን ኮነስትራክሽንን ህንፃ ቁፅሪ 16 ይክፈት እቲ ከይዲ ስራሕ  ካልእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይድማ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0347760478/ 0914780682 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo