ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ከተማ ሸራሮ ንኮሌጅና ግልጋሎት ዝዉዕሉ ብዝተፈላለዩ ዘርፍታት ማለት እዉን ሃለቅትን ቀወምትን ኣቅሑታት ከም ኤሌክትሪክ፣ ኤሌክትሮኒክስ፣መሳርሒ ፅሕፈት፣ መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና ፣ መሳርሒ ህንፃ፣ መሳርሒ ፅሬትን ፣ ዓለባን /ጨርቃ መርቂ /፣ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ትካል ቴክኒክን ትምህርትን ስልጠናን ከተማ ሽራሮ

1 ናይ 2012 ዓም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፈቃድ ከቅርብ ዝክእል

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቲን ቁፅሪ ምስክር ወረቀት ከቅርቡ ዝክእሉ

3 ናይ 2012 ዓም ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ከቅረቡ ዝክእሉ

4 ቫት ዝተመዝገብክምሉ ናይ ወርሒ ጥሪ 2012 ዓም ናይ ቫት ድክለሬ ዝገበርሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእል

5 እትህብዎ ዋጋ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 45 መዓልቲ ፀኒዑ ዝፀንሕ ይከዉን

6 ተጫረቲ እትመልእዎ መጫረቲ ዋጋ ቫት ዝሐወሰ ክክዉን ይግባእ

7 ኣብ ሰነድ ጨረታ ዘይምላክቲ ተወዳደርቲ ዝመልኦ ዋጋ ቫት ሓዊሱ ከምዝመልኦ ይሕሰብ

8 መወዳደር ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽም ኣድራሽ ናይቲ ትካል ማህተምን ፊርማን ክህልዎ ይግባእ

11 ሰዓራይ ተጫራታይ ሰዓራይ ምካኑ ካብ ዝተገለፀሉ ናይ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚእታዊ ዉዕሊ መከበሪ ብምሓዝ ኣብ ዉሽጢ 3ተ ተከታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ብኣካል ቀሪቡ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል

12 ሰዓራይ ተጫራታይ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ዝሰዓሮ ንብረት መሊኡ አብ ዉሽጢ 10 ተከታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ከቅርብ ዝክእል

9 ተጫረቲ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ካብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ሸራሮ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስ ምምሕዳር ንብረትን ካብ ዕለት 10/07/2012 ዓም ክሳብ 24/07/2012አብ ናይ ስራሕ መዓልቲ ካብ ሰዓት 2:00 ንጉሆ ጀሚሩ ሰነድ ጨረታ ክትወስዱ ትክእሉ ምካንኩም እንዳገለፅና ጨረታ ዝዕፀወሉ 25/07/2012 ዓም ንጉሆ ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት እሱ 3:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ይኩን ደኣምበር ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይምርካቦም ከይተከፈት ዝምለስ ጨረታ ኣይህልዉን

10 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መከበሪ 5000 ቅርሺ ፣ 3000 ቅርሺ ፣ 2000 ቅርሺ ብሲፒኦ ብባንኪ ዝተረጋፀ ቼክ ከትሕዝ ዝክእል

13 ተወዳደርቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ኮሌጅ ኣታዊ ክገብሩ ዝክእሉ

14 ትካልና ተጫረቲ ካብ ዝሰዓርዎ ሕድሕድ ንብረት 20 ሚእታዊ ክዉስክን ክቅንስን ዝክእል ምካኑ እናሐበርና

15 ትካልና ነዚ ጨረታ ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 03 45 50 03 82

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo