ኣግኣዚ ማእከል መሰልጠኒ ሰብ ሞያ ኣካላት ፍትሒ ብ/ ክ/ መ /ትግራይ ከተማ ዉቅሮ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ፣ ኤለክትሮኒክስ፣ ናይ መኪና መለዋወጢ አቁሑት ፣ ፅሬት ኣቁሑት ፣ህንፃ መሳርሒ ፣ንናይ ማይ ቡንባ አቁሑትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ግዝኢት ክፍፅም ይደሊ በዚ መሰረት መቅረብቲ በዚ ምልክታ እዚ ይዕድም

ኣግኣዚ ማእከል መሰልጠኒ ሰብ ሞያ ኣካላት ፍትሒ

ኣብዚ ግልፂ ጨረታ ዝወዳደሩ መቅረብቲ ከማልእዎ ዝግባእ

  1.  ምስቲ ዘቅርብዎ ኣቁሑት ዝተተሓሓዘ ናይ 2008 ዓም በጀት ዓመት ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ከቅርቡ ዝክእሉ
  2. ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝተጉ ምካኖም ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2008 ዓም ዲክለሬሽን ከቅርቡ ዝክእሉን  ፅሕፈት መሳርሕን ፣ኤለክትሮኒክስ ፣ናይ መኪና መለዋወጢ አቁሑት  ቫት ተመዝገብቲ ጥራሕ ይወዳደሩ  ኣብ ፅሬት ኣቁሑት፣ ህንፃ መሳሒ፣ ናይ ማይ ቡንባ አቁሑት ቫት ዘይብሎም እዉን ክወዳደሩ ይክእሉ እዮም
  3. ግብሪ መንግስቲ ከፋሊ ምካኖም ዘረጋግፅ ንግብሪ ከፈልቲ ዝተዉሃበ መለለዩ ቁፅሪ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ
  4. ኣብ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ንዝፍፀም ግዝኢት ንምስታፍ ዝርዝር መቅረብቲ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ
  5. ሰዓሪ ምካኖም ካብ ዝግለፀሎም ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ናይ ዝሰዓርዎ ንብረት ዋጋ 10 ሚኢታዊ መክበሪ ዉዕሊ ብሲፒኦ ኣትሒዞም ዉዕሊ ብምእሳር ብዘይካ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቁሑት ካልአቶም ብናይ ባዕሎም መጋዓዕዝያ መፅዓንን መረጋፍን ናብ ተካልና ከቅርቡ ዝክእሉ
  6. ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ንጨረታ መክበሪ ፅሕፈት መሳርሒ፣ ኤለክትሮኒክስ ፣ናይ መኪና መለዋወጢ አቁሑት ብር 4000። ንፅርየት ኣቁሑት፣ ህንፃ መሳርሒ፣ ናይ ማይ ባንባ አቁሑትን ብር 2000 ብሲፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉ
  7. ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 27/ 04 /2008 ዓም ጀሚሩ ንፅሕፈት መሳርሒ፣ ኤለክትሮኒክስ ፣ ንናይ መኪና መለዋወጢ  አቁሑትን ንሕድሕድ ሰነድ ዘይምለስ ብር 20 ጥራሕ ብምክፋል ዝተረፉ ዓይነት ንብረት ማለት ፅሬት ኣቁሑት፣ ህንፃ መሳሒ ን፣ ናይ ማይ ቡንባ ኣቁሑትን ብነፃ ካብ ኣግአዚ ማእከል መሰልጠኒ ሰብ ሞያ ኣካላት ፍትሒ  ብ/ ክ /መ/ ትግራይ ከተማ ዉቅሮ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳርን ንብረትን ብምዉሳድ ዝወዳደርሉ ዋጋ መሊኦም ኣብ ዝመልእዎ ሰነድ ጨረታን ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ዝተዓሸገሉ ፖስታን ሽሞምን አድራሻኦምን ፅሒፎም ፊርማን ማህተምን ገይሮም ኦርጅናልን ኮፒን ነፂሮም ነኒበይኖም ብዝተፈላለየ ፖስታ ዓሊጎም ክሳብ ዕለት 13/ 05/ 2008 ዓም ሰዓት 8፡00 ኣታዊ ክገብሩ አለዎም
  8. ጨረታ ዕለት 13 /05/ 2008 ዓም ሰዓት 8 ፡00 ተዓፅዮ 13 05 2008 ዓም ሰዓት 8፡ 30 ይክፈት
  9. ጨረታ እንትክፈት ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለዉሉ ዝክፈት እንትከዉን ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ እዋን ምክፋት ጨረታ ሰነድ ብዘይምርካቦም ምክፋት ጨረታ ኣይጋተትን

ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ  0344431053/ 0344430829 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo