ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ከተማ መኾኒ ንማይ ስራሕቲ ዘገልግሉ ናዉቲ ናይ ፈርኒቸር ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ክትወዳደሩ እትደልዩ ሕጋዉያን ነጋዶ ዝተዘርዘሩ ረቃሒ እተማልኡ ንክትወዳደሩ ንዕድም

ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ከተማ መኾኒ

1 ናይ ኣቅሑት ዝርዝር ስፔስፊኬሽን ዘይምለስ 120 ብምኽፋል ዝወስድ

2 ናይ 2012ዓ/ም ግብሪ ዝከፈሉ ምካኖም መረዳእታ ዘቅርቡ

3 በኣቅሑ መቅረባይነት ዝተመዝገበን ናይ መቅረባይነት ወረቀት ከቅርብ ዝክእል

4 ቫት ዝተመዝገበን ወርሓዊ ዲክለሬሽን ዘቅርብን ናይ ከፈልቲ ግብሪ መለለይ ቲን መሉእ ዶክመንትን ብ 2ተ ፖስታ ኣሽጉ ኦርጅናልን ኮፒን መልኡ ከቅርብ ዝክእል

5 ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ኣብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ከቅርብ ዝክእል

6 ጨረታ መኸበሪ ብር 5000.00 ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

7 ጨረታ ሰዓራይ ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ ዉዕል ክኣስር አለዎ 10 ሚኢታዊ ዉዕሊ መኸበሪ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብስፒኦ ብምትሓዝ ዘትሐዝዎ መኸበሪ ጨረታ ይምለሶሎም

8 ጨረታ ዝፀንሓሉ እዋን ካብ ዕለት 09/07/2012ዓ/ም ክሳብ 18/07/2012ዓ/ም ንተካታታሊ 10 ናይ ስራሕ መዓልቲ ኮይኑ ሰነድ ዝዕደገሉ ድማ ኣብ ስራሕ ሰዓት ኩሉ ግዜን ቅድሚ ሰዓት 2፡30-6፡30 ድሕሪ ሰዓት ድማ ካብ 8፡00 -11፡30 ኮይኑ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 3ተ ምኻኑ ንሕብር ተወሳኽ እዉን ሰነድ ምሻጥ ዝቃረፀሉ 18/07/2012ዓ/ም ሰዓት 11፡30

9  ጨረታ ሳንዱቕ ዝዕፀወሉ ግዜ ዕለት 19/02/2012ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3፡30 ቅድሚ ሰዓት

10 ጨረታ ሰነድ ዝኽፈተሉ ግዜ ዕለት 19/02/2012ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4፡00 ይኸዉን

11 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 03 46 64 00 02

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo