ኤጀንሲ ፕሮሞሽን ዕዳጋ ምህርቲ ሕርሻ ክልል ትግራይ ንናይ ኢንተርኔት ግልጋሎት ዝዉዕል ኣቅሓ Router 1941 ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ስለዚ ክትጫረቱ እትደሊዩ መቕረብቲ ከም ዝስዕብ ዝተዘርዘሩ መምርሒታት ክተማልእዎም ዝግባእ

ኤጀንሲ ምስፍሕፋሕ ዕደጋን ሕርሻ ትግራይ

 

1 ናይ 2008 ዓ/ም ፍቓድ ንግዲ ዘሐደስኩም::

2 ቫት ዝተመዝገብኩምን ኣብ በጀት ዓመት 2008 ዓ/ም ኣብ ወርሒ ሕዳር ዲክለር ዝገበርኩም::

3 ብመቕረባይነት ዝተመዝገብኩምን ዘሐደስኩምን::

4 ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ /TIN/ ዝተመዝገቡ ምኻኖም መረዳአታ ክተቕርቡ እትኽእሉ::

5 መቅረብቲ ካብ ዕለት 26 /04/2008 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 05/ 05 / 2008 ዓ/ም  ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብኤጀንሲ ፕሮመሽን ዕዳጋ ምህርቲ ሕረሻ ክልል ትግራይ ከይዲ ሰራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን 1ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ102 ዘይምለስ ብር 30 ከፊሎም ሰነድ ጨረታ ብምዉሳድ አብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይከአል::

6 ናይ ጨረታ ዉሕስና መኽበሪ ብር 3000 /ሰለስተ ሽሕ / ሕጋዉነቱ ብዝተረጋገፀ ስፒኦ   / CPO/ ቅድሚ እቲ ጨረታ ምኽፋቱ ከትሕዙ ዝኽእሉ:

7 ጨረታ ዝዕሸገሉ ዕለት 5/ 05/2008 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 9:00   ተጫረቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸበሉ ይኽፈት ተጫረቲ ወይ ተወከልቶም እንተዘይተረኺቦም እዉን እቲ ጨረታ ንምኽፋት ኣይተዓናቐፍን:

8 ኤጀንሲና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 03 44 40 50 30 ምሕታት ይኸአል እዩ::

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo