ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ ሑመራ ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዓ/ም 2ይ ፍርቂ ዓመት ፣ ፅሕፈት መሳርሒ፣ ኮምፒተርን ተዛመድትን ፣ ሞተር ብሽክሌታ፣ ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ ሑመራ

1 ናይ 2012 ዓ/ም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ በቲ ዘርፊ ዘለኩም::

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ ዝተመዝገብኩምን TIN ሰርተፊኬት ክተቕርቡ ትኽእሉን፤

3 ንተወሳኪ እሴት ታክሲ/ VAT ዝተመዝገብኩም: VAT ምዝገባ ሰርተፈኬትን ናይ ወርሒ ጥሪ 2012ዓ/ም VAT ዲክላሬሽን ክተቕርቡ ትኽእሉን::

4 ናይ 2012 ዓም ዝተሐደሰ ናይ መቐረባይነት ምስክር ወረቐት ክተቕርቡ ትኽእሉ::

5 ጨረታ ሰዓርቲ እንተኾይነኩም ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰርኩመሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 15 ተኸታታሊ መዓልቲ ብናይ ባዕልኩም መጎዓዝያ መፅዓንን መራገፍን ሓዊሱ አብ ሑመራ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ክትቕርቡ እትኽእሉ::

6 መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ : ናይቲ ትካል ማህተምን ናይ ዝምልከቶ በዓል ዋና ፌርማን ዝዓርፎ ክኸዉን አለዎ::

7 ዋናን ቅዳሕን ብምባል ካብ ክልተ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ዓሺግኩም ክተቅርቡ ይግባእ

8 ተጫረቲ ንነብስወከፍ ዝወዳደርሉ ምድብ መወዳደሪ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ ሑመራ ካብ 07/07/2012 ዓም ክሳብ 21/07/2012 ዓም ኣብ ናይ ስራሕ መዓልቲ እናመፁ ሰነድ ጨረታ ገዚኦም ክወስዱ ይክእሉ፡፡

9 ተጫረቲ ንዝወዳደርሉ ምድብ መወዳደሪ መከበሪ ጨረታ ንመሳረሒ ፅሕፈት 3000 ቅርሺ፣ ኮምፒተርን ተዛመድትን 6000 ቅርሺ፣ ንሞተር ብሽክሌታ 3000 ቅርሺ ብስፒኦ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ብጥረ ገንዝብ ወወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ብሽም ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ ሑመራ ኣስሪሖም ከትሕዙ ይግባእ፡፡

10 እቲ ጨረታ 22/07/2012 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቢሮ ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቁፅሪ 06 መቐለ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ተጫረቲ ብዘይ ምርካቦም ጨረታ ኣይተኣጎጎልን፡፡

11 ኮሌጅና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ በሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

12 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ እቲ ኮሌጅ ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን 20 ሚእታዊ ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእለ እዩ፡፡

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቑፅሪ ስልኪ 0344 480510/11 ወይ ድማ ብሞባይል 0914-25 91 87 ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ::

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo