ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ ኣብቲ ወረዳ ንዝርከባ ኣብያተ ፅሕፈታት ግልጋሎት ዝዉዕል ኣቅሑት መለዋወጢ መኻይን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ

1 ናይ 2012ዓ/ም ዝታሐደሰ ንግድ ፍቃድ ናይ መንግስቲ ግብሪ ዝከፈሉ

2 ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ምስክር ወረቐት መቕረባይነት መለለይ ቁፅሪ ከፋሊ ግብሪ ካልኦት ሰነዳት ቅዳሕ ከቅርቡ ዝክእሉ

3 ምዝጋባ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮኑን ናይ ታሕሳስ/ጥሪ ዲክለር ዝገበሩ

4 እቲ ምልክታ ሰነድ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ 04/07/2012ዓ/ም ክሳብ 21/07/2012ዓ/ም ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ከይድን ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ፋይናንስን ዘይምለስ 50 ብር እናከፈልኩም ናይ ጨረታ ሰነድ ብምዉሳድ ናብ ዝተደለወ ሳንዱቅ ጨረታ ብዝተኣሸገ ኢንቮሎፕ ምእታዉ ትክእሉ

5 መኸበሪ ጨረታ ትሕጃ ቢድ ቦንድ ዝስዕብ ሰንጠረዥ መሰረት 5000.00 ጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብሲፒኦ ከትሕዝ ዝኽእል

6 ጨረታ ሰዓራይ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል

7 ናይ ዉዕሊ መከበሪ ትሕጃ 10% ካብ ጠቅላላ ናይ ዝሰዓርዎ ንብረት ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉ

8እቲ ጨረታ 21/07/2012ዓ/ም ድሕሪ ሰዓት 8፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት 8፡30 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብዘለዉሉ ይክፈት

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ አንተረኪቡ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ - - 03 43 45 01 10/12

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo