ንወረዳ ዓድዋ ከተማ ዓድዋን ኣብያተ ፍርዲ ኣገልግሎት ዝውዕሉ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ፅገና ገዛ ፣ ፅገና ማሽን ፣ ኣናእሽተይ ኣቅሑት ፣ ኣቅሑ ፅሬት ፣ ዕድጊት ተሽከርከርቲ፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ሕትመት ፣ናዉቲ ኤሌክትሮኒክስ፣ ናይ ቢሮ ቀወመቲ ኣቅሑት፣ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ቤት ፍርዲ ወረዳ ዓድዋ

1 ተጫረቲ ናይቲ ጨረታ ሰዓርቲ እንተኾይኖም ዝሰዓርዎ ንብረት ኣብ ውሽጢ 30 ማዓልቲታት ዛዚሞም ከቅርቡ ይግባእ።

2 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኸበሪ ቢድ ቦንድ 3000.00 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከቅርቡ ኣለዎም።

3 ቅሬታ ምቅራብ ዝከኣል ሰዓራይ ጨረታ ካብ ዝተፈለጠሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልትታት ጨረታ ዝሰዓረ ተጫራታይ ውዕሊ ካብ ዝተፈለጠሉ ዕለት ድሕሪ ቅሬታ ምስማዕ ኣብ ውሽጢ 5ተ መዓልታት ኮይኑ ውዕሊ ክኣስሩ ናይ ዝሰዓርዎ 10% ውዕሊ መኸበሪ ብምትሓዝ ውዕሊ ናይ ምእሳር ግቡእ ኣለዎም።

4 ተጫረቲ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎምን ዘሐደሱን ምዃኖምን ዋና ምስ ቅዳሕ ከቀርቡ ኣለዎም።

5 ተጫረቲ ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡን ናይ ወርሒ ለካቲት ከቅርብ ዝክእል ናይ ግብሪ ኣካቢ ዝኸፈሉ ምዃኖም መረዳእታ ከቅርቡ ኣለዎም።

6 መለለይ ቁፅሪ ከፈላይ ግብሪ ዋና ምስ ቅዳሕ ከቀርቡ ኣለዎም።

7 ሰነድ ካብ ቤት ፍርዲ ወረዳ ዓድዋ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ምምር/ንብረትን ዘይምለስ 20.00 ቅርሺ ብምኽፋል ምዉሳድ ይካኣል

8 ሳንዱቅ ጨረታ 18/07/2012 ዓ/ም ሰዓት 6:00 ድ.ቀትሪ ተዓሺጉ በቲ ዕለት ሰዓት 8:00 ንጉሆ ኣብ ቤት ፍርዲ ወረዳ ዓድዋ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ምምር/ንብረትን ይኽፈት።

9 ተጫረቲ እቲ ዝሰዓርዎ ንብረታት ብናይ ባዕሎም መጓዓዝያ የቅርቡ።

10 ጨረታ ኣብ ዝኽፈተሉ ዕለት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ክረከቡ ኣለዎም።

11 እቲ ቤት ፅሕፈት ካብ ነብሲ ወከፍ ንብረት 25% ክውስኽ ወይ ክንኪ ይኽእል።

12 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0342-718874 ምድዋል ይከአል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo