ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጎዓዝያን ከተማ ሸራሮ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ኣብ 2012 በጀት ዓመት ኣብ ጣብያ ኣልጋነሽ ዝርከብ ዋንነቱ ናይ ቤት ጉዳይ መናእሰይ ስፖርትን ከተማ ሸራሮ ዝኮነ መመልኢ ስታዴም ንምስራሕ ፍልፍል በጀት መንግስታዊ መፍለይ ዕደጋ ቁፅሪ ሸራሮ ብደረጃ 8 ንእሽተይ ንግዲ ትካላት ናይ ኮንስትራክሽን ማሕበራት ብግልፂ ኣጫሪቱ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጎዓዝያን ከተማ ሸራሮ

1 ናይ 2012 ዓም ዝተሐደሰ ብቤት ፅሕፈት ልምዓት ደቀቅትን ኣናእሸተይን ፍቃድ ንግዲ ትካላእት ዝተዉሃበ ብርኪ ትካል ምስክር ወረቀት ምዝገባ ንግድ ምስክር ወረቀትን ናይ ኮንስትራክሽን ማለት እዉን ተኮናተርቲ ምዝገባ ካርድን ዘለኩም

3 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ምስክር ወረቀት ዘለኩም

4 ናይ ወርሒ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ ዝገበርክምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ አለኩም

5 ተጫረቲ ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝረከቡ ደረጃ 8 ንእሽተይ ትካላት ናይ ኮንስትራክሽን ማሕበራት ዝምልከት ኮይኑ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ ፕሮጀክት ክጫረቱ ይክእሉ እዩም

6 ናይ ጨረታ ዉሕስና ባንክ ካብ ዝተፈቀደሎም ዝተፈለጡ ባንክታት ዝዉሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና መአዘዚ ክፍሊት ገንዝብ ማለት እዉን ስፒኦ ወይድማ ብጥረ ገንዝብ 10000.00 (ዓሰርተ ሽሕ ቅርሺ) ከቅርቡ አለዎም

7 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀከት ስራሕቲ ሳይት ካብ ዝተረከቡ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 100 መዓልቲታት ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ አለዎም

8 ኩሎም ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 17/06/ 2012 ጀሚሩ ኣብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መጎዓዝያን ከተማ ሸራሮ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ቢሮ ቁፅሪ 3 ዘይምለስ 150 ብምክፋል ክገዝኡ ይክእሉ እዩም

9 ተጫረቲ ናይ ዝጫረትሉ ፋይናንሻል ሰነድ ሐደ ዋናን ክልተ ቅዳሕን ሰነድ ጨረታ ናይ ስራሕ ተኮናተርቲ ናይ ዝተዉሃበ ምዝገባ ካርድ ፍቃድ ንግድ ስራሕ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡ ሙሉእ ምስክር ወረቀት ናይ ዝሐለፉ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ ዝገበርክምሉ ምስክር ወረቀት ዉሕስና ጨረታ ማለት እዉን ቢድቦንድ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታት ብምዕሻግ መሊሶም ኣብ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ልዕሊ እቲ ፖስታ ሽም ዝጫረትሉ ፕሮጀከትን ኣድራሻን ብዝረአ ቀለም ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ኣብ ቢሮ ቍፅሪ 2 ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ 08/07/2012 ዓም ክተእትዉ ዝተሓበረ ከም ዝኮነ ዝፍለጥ ኮይኑ ኮይኑ ግና ናብ ድምፂ ወያነ ዲሒሩ ስለ ዝኣተወ ብእዋኒ ክቃላሕ ሰለ ዘይካኣለን  ንዕለት 14/07/2012ዓ/ም  ሰዓት 3:00 ቅድሚ ቀትሪ ብኣካል ብምምፃእ ከእትዉ ይክእሉ እዩም

10 ተጫረቲ ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ዝቀረቡ ቅጥዕታት ብትክክል መሊኦም ኣብ ነብስ ወከፍ ገፅ እቲ ሰነድ ፈሪሞምን ሓቲሞምን ቅደም ሰዓብ እቲ ሰነድ እንተይኣዛብዑ እቲ ሰነድ ከምቲ ክሽየጥ እንተሎ ከምዝነበሮ እንተይኣጎደሉ ከቅረቡ አለዎም

11 እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ዕለት 14/07/ 2012 ልክዕ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 3 ክክፈት እዩ

12 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ መሉእ ብሙሉእ ወይም ብክፋልናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

13 ተጫረቲ ካብ ዝቆፅርዎም ግዚያዉ ሰራሕተኛታት ድማ 60 ሚእታዊ ንደቂ ኣንስትዩ ንከሳትፉ ድልዊ ክኮኑ አለዎም ብዘይ ፆታ አፈላላይ መዕረ ክፍሊት ንማዕረ ስራሕ ክክፈል ድልዊ ክኮኑ አለዎም

14 ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 03 45 50 05 95

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo