ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጓዓዝያን ወረዳ አስገደ ፅምብላ ናይ ፈለግ ኩለ መዳይ ዩኔን G+0 ህንፃ ቤት ፅሕፈት ንምስራሕ ካብ ደረጃ 7ተ ንላዕሊ ተካናተርቲ ፍቃድ ዘለዎም ብፕሮፎርማ ከስርሕ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጎዓዝያን ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ

1 ኣብቲ ፕሮፎርማ ዝተቀመጠ ፋይናንሻል መዐቀኒ ተወዳዳራይ ሙሉእ ብሙሉእ ኣማሊኡ ወይ ድማ ኣየማለአን ብዝብል ተገምጊሙ ዝሓለፈ ተወዳዳሪ ናብ ፋይናንሻል ዉድድር ይሓልፍ

2 ኣብቲ ፐሮፎርማ ተዓዋቲ ዝኮዉን ዝተቀመጠ ቴክኒካል መዐቀኒ ኣመሊኡ ዝተሓተ ዋጋ ዝመልአ ይከዉን

3 ቅድመ ክፍሊት ስራሕ 20 ሚኢታዊ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ባንኪ ብምትሓዝ ክዋዓል ይክእል

4 ተወዳደርቲ ናይቲ ዝወሃብ ዋጋ ፕሮፎርማ 30 መዓልቲ ፀኒዑ ዝፀንሕ ኮይኑ

5 ናይ 2012ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎ ፣ መረዳእታ ምዝገባ ንግዲ ዝሓዘ

6 ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነን ናይ ወርሒ ጥሪ ዲክለር ዝገበረሉ መረዳእታ ዘቅርብ

7 መለለይ ቁፅሪ ከፋልነት ግብሪ ዘለዎ

8 ናይ 2012ዓ/ም ዝተሓደሰ ናይ ተካናታራይነት ሓፂር ምዝገባ ከቅርብ ዝክእል

9 መኸበሪ ፕሮፎርማ 15000.00 ቅርሺ ብሕጊ ካብ ዝፍለጡ ባንክታት ፋይናንሻል ትካላትን ብስፒኦ መልክዕ ከትሕዝ አለዎ

10 ተወዳደርቲ እቲ ዝወዳደርሉ ኣብ ዉሽጢ 90 መዓልታት ሙሉእ ብሙሉእ ወዲኡ ዘረክብ

11 ሰነድ ፕሮፎርማ ብነፃ ካብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጓዓዝያን ወረዳ አስገደ ፅምብላ ከይዲ ስራሕ ህንፃን ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ምዉሳድ ይክእሉ

12 እቲ ፕሮፎርማ ኩሎም ተወዳደርቲ ኣብ ዝተረከብሉ 17/07/2012ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ሰዓት 4፡30 ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ኣብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጓዓዝያን ወረዳ አስገደ ፅምብላ ከይዲ ስራሕ ህንፃን ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ይክፈት

13 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 03 46 61 03 89

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo