ሓፈሻዊ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ከተማ ሸራሮ ንዝተፈላለዩ ስራሕቲ ኣጎልግሎት ዝዉዕሉ ናይ 2012ዓ/ም 1ይ ዙር ግልፂ ጨረታ ፣ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ኤሌክትሮኒክስ ፣ መሳርሒ ህንፃ፣ መሳርሒ ፅሬት፣ ናዉቲ ቤተ ፈተነ፣ መፃሕፈቲ ቤተ ንባብ፣ ቁዋሚ ንብረት፣ ዕጥቂ ስፖርት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ሓፈሻዊ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ከተማ ሽራሮ

1 በዚ ዘርፊ ናይ 2012ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ  ንግዲ ፣ መቕረባይነት ፣ ቲን ናምበር፣ መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ፣ ምስክር ወረቀት ተወሳኪ እሴት ታክስ ፣ናይ ወርሒ ጥሪ ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ፣ ከቅርብ ዝክእል

2 ተጫረቲ ዘይምለስ 30 ቅርሺ እናከፈልኩም ካብ ሓፈሻዊ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ከተማ ሸራሮ ቢሮ ቁፅሪ 3ተ ካብ 02/07/2012ዓ/ም ክሳብ 17/07/2012ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ንጉሆ ኣብ ስራሕ ሰዓት እናመፃኩም ክትወስዱ ትክእሉ

3 ተጫረቲ ዉሕስና መኸበሪ ጨረታ ኣብ ሕድሕድ ዘፈር 3000 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ወይ እዉን ብጥረ ገንዘብ ከተትሕዙ እትክእሉ

4 እቲ ጨረታ 17/07/2012ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ሰዓት 4፡30 ኣብ ሓፈሻዊ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ከተማ ሸራሮ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኮልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ተጫረቲ ወይ ወኪሎም እንተዘይተረኪቦም ጨረታ ካብ ምክፋት ኣይተዓናቀፍን

5 ሰዓራይ ጨረታ ተባሂሉ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ 3ተ ናይ ቅርታ መዓልቲታት ኣብ ዉሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ኣለዎ

6 ካብ ጠቅላላ ዝሰዓሮ ንብረት ዋጋ 10 ሚኢታዊ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ እዉን ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ብጥረ ገንዘብ ንአፈፃፅማ ዉዕሊ የትሕዝ

7 ሰዓራይ ዝሰዓሮ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጋዓዝያ ኣታዊ ዝገብር ንቀዋሚ ንብረት ድማ ኣብ ዉሽጢ 30 መዓልቲ ከረክብ አለዎ

8 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 03 48 50 81 27 /03  14 78 00 41

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo