ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት ኣብ 2012 በጀት ዓመት ካብ መደበኛ ዝተረከበ በጀት ኣብ ወረዱኡ ዝርከባ ኣብያተ ፅሕፈት ኣጎልግሎት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ፣ ናይ መኪና ጎማን ካላማደርያን፣ ናይ መኪና መለዋወጢ ናዉቲ፣ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ የደሊ

ቤት ፅሕፈትን ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት

1 ናይ 2012ን ዓ/ም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቓድን ናይ መቅረብቲ ምስክር ወረቀት ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል

2 ናይ መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ወረቀት ምስክር ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል:

3 ናይ ወርሒ ጥሪ 2012 ዓ/ም ተወሳኪ እሴት ታክስ ድክለሬሽን ዠገበረሉ ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል

4 ነቲ ዝካየድ ጨረታ መኸበሪ ዝዉዕል ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ፣ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ 6000.00 ቅርሺ ፣ ናይ መኪና ጎማን ካላማደርያን 8000.00ቅርሺ ፣ ናይ መኪና መለዋወጢ ናዉቲ 8000.00 ቅርሺ፣ ብ ጥረገንዘብ ወይ CPO ወይከዓ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዙ ዝኽእሉ::

5 ብናይ ባዕሉ መጋዓዓዚ ኣጋዓዙ ናብ ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት ከረክብ ዝክእል

6 ጨረታ ተኸፊቱ ሰዓራይ ምስተገለፀ ናይ ዝሰዓሮ 10 ሚኢታዊ ኣትሒዙ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእልን ናዉቲ መሳርሒ ፅሕፈትን ናይ መኪና ጎማን ካላማደርያን ናይ መኪና መለዋወጢ ናዉቲ ኣብ ዉሽጢ ተኸታታሊ 15 መዓልታት ከረክብ ዝክእል

7 ድሕሪ ጨረታ ምኽፋቱ 20 ሚኢታዊ ምዉሳኽ ይኩን ምቅናስ ዝኻኣል ምኻኑ ነፍልጥ

8 ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ 26/06/2012ዓ/ ም ክሳብ 11/07/2012ዓ/ም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ መዓልትን  ዘይምለስ 100.00 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር እናወሰዱ ሐደ ኦርጀናልን ክልተ ኮፒን ዋጋ ዝተመልአ ጥራሕ በበይኖም ብፖስታ ዓሺጎም ኣብ ልዕሊ እቲ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ተፃሒፉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር ናብ ዝተዳለወ ሳፁን ከእትዉ አለዎም ፡፡

9 እቲ ጨረታ 11/07/2012 ዓም ሰዓት 4:00 ድ/ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ናይ ድ/ቀትሪ ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዘለዉሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር ይኽፈት፤

10 ቤት ፅሕፈትና ካብዚ ወፃኢ ካሊእ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፤

ንተወሳኪ ሓበሬታ 0913331379ብሞባይል 0918034591 /09 14 74 88 05 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo