ቢሮ ኮንስትራክሽንን መንገድን መጎዓዝያን ክልል ትግራይ ኣብ 2012ዓ/ም በጀት ዓመት ንቢሮና ኣገልግሎት ዝውዕል ኣገልግሎት ዝተፈላለዩ ኣቅሑት ሕትመታት ስራሕቲ ምልላይን ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገድን ትራንስፖርትን ክልል ትግራይ

1 ናይ ዘመኑ በቲ ዘርፊ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ብግልፂ ዝርኣ ቅዳሕ ከቀርብ ዝኽእል፤ ናይ መለለይ ቁፅሪ ምዝገባ መረዳእታ፣ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ፣ ተወሳኬ እሴት ታክስ ምዝገባ ምስክር ወረቀት ናይዚ ዓመት ግብሪ ዝኸፈለን : ናይ ጥሪ ወርሒ 2012ዓ/ም ናይ ቫት ድክለሬሽን ዝገበርሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ፣

2 ካብ ቢሮ ኮንስትራክሽንን መንገድን መጎዓዝያን ክልል ትግራይ ዳ/ዕ/ፋይ/ምም/ንብረትን ኣብ ሓበራዊ ህንፃ 3ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 171 ከብ 1/07/2011ዓ/ም -16/07/2011ዓ/ም ክሳብ ሰዓት 4፡00 ሰነድ ጨረታኩም ምእታዉ ትክእሉ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ክገዝኡ ዝክእል ኮይኖም።

3 ተጫረቲ መኸበሪ ውሕስና ጨረታ 10000.00 ሽሕ ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ አብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ቼክ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ኣለዎም።

4 እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይድደማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ 16/07/2011ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:00 ቅ.ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ኮንስትራክሽንን መንገድን መጎዓዝያን ክልል ትግራይ ዳ/ዕ/ፋይ/ምም/ንብረትን ኣብ ሓበራዊ ህንፃ 3ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 171 ይኽፈት።

5 ተጫረቲ ወይ ወከልቶም እንተዘይተረኺቦም እቲ ጨረታ ንምኽፋት ኣይተዓናቀፍን።

6 ሰዓራይ ጨረታ ተባሂሉ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ 3ተ ናይ ቅሬታ መዓልቲ ኣብ ውሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ።

7 ካብ ጠቅላላ ዝሰዓሮ ንብረት ዋጋ 10% ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ አብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ቼክ ወይ ብጥረ ገንዘብ ንኣፈፃፅማ ውዕሊ ውሕሰና ከትሕዙ ኣለዎም።

8 ቤት ዕዮና ኣዳልዩ ብዝሃቦ ዝርዝር መዐቀኒ ብፅሬት መጠንን ብግዜን ኣብ ውሽጢ 60 ተኸታተልቲ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ወፃኢ ናብ ቢሮ ኮንስትራክሽንን መንገድን መጎዓዝያን ክልል ትግራይ ከረክብ ኣለዎ።

9 ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብዝተዓሸገ ፖስታን ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፊርማን ክህልዎ ይግባእ።

10 እቲ ንብረት ብሰብ ሙያ ተፈቲሹ ርክክብ ይፍፀም

11 እቲ ቢሮ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344-411052 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo